ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ምውሃብ ድምጺ፡ ሕጹይ ርፓብሊካዊ ተወዳደሪን ናይ ቅድም ፕረዚደንትን ዶናልድ ትራምፕ 277 ድምጺ ተወካሎ (ኤለክስቶራል ቮት) ብምርካብ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ኣመሪካ ምዃኑ ኣውሒሱ። ትራምፕ ኣብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ክፍለ-ሃገራት ፐንሲልቫንያን ጆርጂያን ድሕሪ ምዕዋቱ፡ እቲ ምቝጻር ድምጺ ብምሉእ ብምሉእ ኣብ ገለ ክፍለ-ሃገራት ከይተኣወጀ’ውን’ዩ ዓውቱ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣመሪካ’ውን ተቖጻጺሮም ኣለዉ። ሰነት ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰልፊ ደሞክራሲያውያን’ዩ ተዓብሊሉ ጸኒሑ።
እንተዀነ ውጽኢት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዛጊት ወግዓዊ ኣይኰነን ዘሎ። እንተዀነ ኣብዚ'ውን ሰልፊ ርፓብሊካውያን መሪሕነት ሒዞም ኣለዉ።
መራሕቲ በበይነን ሃገራት ድሮ ንትራምፕ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም ናይ እስራኤል በንያሚን ናታያሁ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑወል ማክሮን፡ መራሒ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫን ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድይመር ዘለንስኪን ይርከቡዎም። ዋና ጸሓፊ ኪዳነ ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ጀነራል ማርክ ሩት'ውን ምስ ትራምፕ ኰይኖም "ንዓለም ሰላም ኣብ ምስፋን ሓቢሮም ክሰርሑ" ዘለዎ ድሉውነት ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ወፍሪ ምርጫ ተሪር መደረ ከስምዕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብቲ ረቡዕ ወጋሕታ ምዕዋቱ ምስ ኣረጋገጸ ግን “ዝሓለፈ ፍልልይ ኣብቂዑ፡ ብሓባር ክንሰርሕን ኣብ መንጎ ዘሎ ጋግ ኣጽቢብና ንሃገርና ከነቕድምን እጽውዕ፡” ክብል ተዛሪቡ።
ሓድሽ ምሩጽ ፕረዚድነት 20 ጥሪ ቃለ-ማሕላ ብምፍጻም ወግዓዊ ስራሑ ክጅምር'ዩ።
ዶናልድ ትራምፕ መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ዘገልገለ'ዩ። ብ6 ጥሪ 2021 ንወግዓውነት ውጽኢት ምርጫን ስዕረቱን ስለ ዘይተቐበለ ግን ብዙሕ ኣዘራሪቡ'ዩ።
ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫኡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ፡ "ቀዳምነት ኣመሪካ" ብምባል ምስ ናይ ደገ መሻርኽቲን መሓዙትን ዘለዎ ዝምድና ከይበትኽ ንብዙሓት ሃገራትን ከም ኪዳን ኔቶን ኣሻቓሊ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።
ቅጥዒ