ሎስ-ኣንጀለስ —
ኣመሪካዊ ኣፍራዪ ሙዚቃን ንሓያሎ ደረፍቲ ስርሓቱ ዝሃበን ኲንስይ ጆንስ ኣብ መበል 91 ዓመቱ ብሰንበት ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ቤት ምዕራፉ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም።
ካብ መንጎ’ቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስርሓቱ ኣብ ሙዚቃ ፖፕ እምነ-ኵርናዕ ዝዀነት ናይ ማይክል ጃክሰን “ትሪለር” እትብል ኣልቡም ዝሰርሐን ኣማኢት ደርፍታት ንስሙያት ኣመሪካውያን ድምጻውያን ዝሰርሐን ጆንስ፡ ኣብቲ ብጸዓዱ ዝዕብለል መፍረ ሙዚቃ ኣመሪካ ኣትዩ ካብ ዝተዓወቱ ውሑዳት ጸለምቲ ኣፍረይቲ ሙዚቃ’ዩ።
ኲንስይ ጆንስ እታ ንምትእኽኻብ ሓገዝ ደርቂ ኣፍሪቃ ንምጕስጓስ ዝተሰርሐት “ዊ ኣረ ዘ ዎርልድ” (We Are the World) ምስ ካልኣዩ ህዝቡብ ሙዚቀኛ ላይኖል ሪቺ ዝጸሓፋ ኰይና፡ ነቲ ሙዚቃ ዘወሃሃደ’ውን’ዩ ነይሩ።
ን28 ግዜ ዝዓበየ ሽልማት ግራሚ ዝወሰደ ጆንስ፡ ብ1933’ዩ ኣብ ቺካጎ ተወሊዱ። “ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣብ ሙዚቃ፡ ፊልምን ንዝሰርሐ ዓቢ ስነ-ጥበበኛ ምስ ኲንስይ ጆንስ ናይ ዘይምርኻብ ተኽእሎ ክህሉዎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ኢሉ፡” ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ይገልጾ።
ቅጥዒ