ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ወረዳ ዱርጋ ናይ ምብራቕ ሸዋ፡ ብውሑዱ 38 ምቕታሎም ኣመልኪቶም። እቶም ቤተ-ሰቦም ዝሞቱዎም’ሞ ንድምጺ ኣመሪካ ዘተዛረቡ ዜጋታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ብቛንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዝዛረቡ ዕጡቓት ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ምፍጻሙ ገሊጾም።
ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር ብዛዕባ’ቲ ክስተት መግለጺ ኣየውጽአን።
ስድራቤት ግዳያት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ብኣልማማ ነበርቲ ምቕታሎምን ኣባይቲ ምቅጻሎምን ገሊጾም።
ካብ መንጎ’ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ነብሰ-ጾራት ኣንስቲን ቆልዓ-ሰበይቲን ከም ዝነበሩዎም’ውን መሰኻኽር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ተወላዶ ጉራጌ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ምዃኖም’ውን እቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።
ኣብ ምብራቕ ጉራጌ ሓላፊ ጸጥታን ሰላምን ዝዀነ ተካለኝ ዓሊ፡ ኣብ ክልል ማእከልይ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ጉራጌ ዝተፈጸመ ቅትለት “ኣስካሕካሒ” ክብል ገሊጹ።
ነበርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምዃኖም ይኸሱ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣባላት ሰራዊት ፈደራልን ሓይሊ ጸጥታ ክልል ኦሮሚያን ንድሕነት ዘይምስላፎም’ውን ይኸሱ።
እንተዀነ ኣብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ላዕለዋይ መሪሕነት ዘለዎ ጂርግና ጉደታ ሰራዊቶም ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሞ ንድምጺ ኣመሪካ መሊሱ። እቲ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ዕጡቕ ሰራዊት ዝዀነ ጂርግና ሰራዊቶ ንሲቪላውያን ዜጋታት ዕላማ ከም ዘይገብር’ዩ ገሊጹ።
ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኦሮሚያን ብዛዕባ’ዚ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይቀንዖን።
ቅጥዒ