ብኮሚተ ዙር ፈረንሳይ ዝስራዕን ስሙያት ተቐዳደምቲ ዓለም ዝሳተፉሉን ናይ ሓንቲ መዓልቲ ሳይታማ ጃፓን ኣብ ዝተኣናገደቶ ውድድር ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብዚ ሎሚ ቀዳም ዝተኣናገደ “ሳይታማ ክራይተርዩም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ 61 ኪሎሜተር ውድድር፡ ኣብቲ ዝዓበየ ዙር ስጳኛ (ቮላታ ስጳኛ) ንኣርባዕተ እዋን ዝተዓወተ ስሎቫዊ ፕሪሞዝ ሮግሊክ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፣ ን35 መድረኻት ዙር ፈረንሳይ ዝሰዓረ ማርክ ካቨንዲሽ ድማ ሳልሳይ ኣትዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝናብ ዝበዝሖ ውድድር፡ ኣብ ዙር ፈረንሳይ ቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ ንቐጠልያ ማልያ ዝወዳደር ዝነበረ በልጁማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን ርብዓይ ኣትዩ ኣሎ።
“ካብተን ዝበለጻ ናይ መዛዘሚ ሕንጻጽ ውድድረይ’ያ ነይራ፡” ኢሉ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል። “ሎሚ ዲኻ ተዓዊትካ ትማሊ ብዘይገድስ፡ ክትዕወት እንከለኻ ከም ብሓድሽ ዝፍልፍል ሓጎስን ስምዒትን ኣሎ፡” ወሲኹ ወዲ 24 ቢንያም ግርማይ።
ቢንያም ድሕሪ ዓውቱ’ውን ነቶም ደገፎም ንምርኣይ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደገፍቱ ምስጋናኡ ገሊጹ’ዩ። “ብሓቂ ክብሪ ይስመዓኒ። ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተኻፈልኩሉ ውድድር ብዘይ ናይ ኤርትራውያን ድጋፍ ክወዳድር ኣይዝከረንን። ንሱ ድማ ተመሊሱ ሓይሊ’ዩ ዝውስኸለይ፡” ኢሉ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳም ውድድር ሮግሊግ፡ መዛዘሚ ሕንጻጽ ንምብጻሕ ሰለስተ ኪሎ-ሜተር ምስ ተረፎ’ዩ ካብ መራሒት ጉጅለ ኣምሊጡ ከይዱ። እንተዀነ፡ ዓባይ ጉጅለ ምስ ኣርከበቶ፡ ኣቐዲሙ ሓይሉ ስለ ዝወድአ፡ ኣብቲ ዛዝሚ ሕንጻጽ’ውን ክንድቲ ምትህልላኽ ከየርኣየ’ዩ ንቢንያም ስዒቡ ካልኣይ ኣትዩ።
ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳይ ናይዚ ዓመት ዝዀነ ቢንያም፡ ምስ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ ዋንትይ ዝነበሮ ውዕል ኣናዊሑ’ዩ።
ብኮሚተ ዙር ፈረንሳይ ኣብ ዝግበር ዓመታዊ ቅድመ-ውድድር ሳይታማ ክራይተርዩም፡ ኣብ ከተማ ሳይታማ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኰይኑ፡ ነቲ ዓቢ ዓለማዊ ተቐባልነት ዘለዎ ውድድር ናብ ዝሰፍሐ ተዓዛቢ ካልእ ክፋል ዓለም ንምብጻሑ ተባሂሉ ዝስራዕ’ዩ።
ቅጥዒ