ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ “ምስ መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ዱባይ ርክብ ጌርና ኢና”


ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ናይ ሰሉስ ጋዜጣዊ መግለጺ
ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ናይ ሰሉስ ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣቦ-መንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም 2024፡ ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ምስ መራሕቲ ኤርትራ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ርክብ ከም ዝገበሩ ጠቒሱ። ከም ሓበሬታ ዶክተር ደብረጽዮን ነቲ ርክብ ብወገን ክልል ትግራይ ዝመርሐ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምንባሩ፡ እቲ ብኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ዝተገብረ ርክብ ኣብ ዱባይ ምክያዱን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብሳላ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተገብረ ርክብ፡ ኣብ ዶባት ዝነበረ ጸገማት ጸጥታ ብመጠኑ ከም ዝተመሓየሸ’ውን ዶክተር ደብረጽዮን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ተዛተይቲ ወገን ኤርትራ ኣይተጠቕሱን። ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ወግዓዊ ሓላፍነት ስለ ዘይብሉ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ምንጪ ግን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ዱባይ ርክብ ዝመርሐ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ምንባሩን ንጽምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።

ዶክተር ደብረጽዮን፡ ዝርዝር ከይጠቐሰ፡ ድሕሪ’ቲ ናይ ዱባይ ርክብ’ውን ካልእ ርክባት ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ዜና ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ብወገን ፈደራል መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ዝተዋህበ መብርሂ የለን። ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG