ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ምብራቕ ቲሞር ዝተሳተፎ ጸሎት ጳጳስ ፍራንሲስ


ሰሉስ ዝተረኸበ ሰዓቢ
ሰሉስ ዝተረኸበ ሰዓቢ

ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ምብራቕ ቲሞር ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝገበሩዎ ጸሎት ኣስታት 600-ሽሕ ሰዓቢ ከም ዝተኻፈሎ ንምንጭታት ቫቲካን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ጳጳስ ፍራሲስ ኣብታ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ህዝቢ፡ መብዛሕትኡ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ፡ ዝነብራ ደቡብ ምብራቓዊት ሃገረ ኤስያ፡ ብመጠን ብዝሒ ህዝቢ ዛጊት ዝበዝሐ ሰዓቢ ዝተረኽቦ ጸሎት ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ካብ ጎረቤት ሃገር ኢንዶነዥያ ኣብ 2002 ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ምብራቕ ቲሞር፡ ኣስታት 42% ናይ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብር’ዩ። ኣብቲ ኣንጻር ኢንዶነዥያ ንናጽነት ዝገበረቶ ቃልሲ ድማ ኣስታት 200-ሽሕ ካብ ህዝባ ምማቱ ይሕበር።

ጳጳስ ፍራሲስ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣብ ፊሊፒነስ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ሰዓቢ ዝተሳተፎ ቅዳሴ ምምራሖም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG