ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብዱልራሒም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሽወደን ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ዝተናውሐ ሕማም ቀዳም 7 መስከረም ምዕራፉ መቕርቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ዑስማን ዓብዱልራሒም ኣብቲ ወርቃዊ ዘመን ሙዚቃ ኤርትራ ተባሂሉ ዝጥቀስ ናይ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ በበይኑ መድረኻት ሙዚቃዊ ስራሓት ብምቕራብ፡ ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ዝጥቀሱ ድምጻውያን’ዩ። ዑስማን ዓብዱልራሒም፤ “ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ትነብር ኔራ”፡ “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣይፋልክን ግርህነተይ፡” ወዘተ ብዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ሙዚቃ ትግርኛ ዘይሕከኽ ዝኽርታት ዝገደፋ ደርፍታት ዘፍረየ ድምጻዊ’ዩ።
ዑስማን ካብ 1964 ኣትሒዙ ፈለማ ኣብ መድረኽ ብምድያብ ብወግዒ ደርፊ ምጅማሩ ቅድሚ ሎሚ ምስ ረድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት ኣመልኪቱ ነይሩ። ዑስማን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማትኣ) ድሕሪ ምስራሕ፡ እንተዀነ ኣብታ ሓጻር እዋን’ውን ኣበርክቶኡ ዓቢን ግሉሕን’ዩ ነይሩ። ልሉይ ኣበርክቶ ዑስማን ኣብታ ንበዓል ሃይለ ገብሩ’ውን ሓቚፋ ዝነበረት ሮኬት ባንድ ኣብ ዝነበረ ግዜ’ዩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ፡ ንሓያሎ ድምጻውያን ዝኣለየን እጃሙ’ውን ዝቐጸለን ዑስማን፡ ካብቶም መላግቦ ወለዶታት ድምጻውያን ምንባሩ’ውን ፈልጥቱ ይጠቕሱ።
ዑስማን ዓብዱልራሒም ንነዊሕ እዋን ሓሚሙ ካብን ናብን ሕክምና ክምለላስ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብቐዳም 7 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ዓሪፉ።
ቅጥዒ