ዝተሓደሰ-- ኣብ በበይኑ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምጽናሖም ዝተሓበሩ ሸውዓተ ኣባላት መሪሕነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ ማእሰርቲ ምልቃቖም ወሃብ ቃል እቲ ዕጡቕ ኣሃዱ ላሚ ገማቹ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣብዲ ረጋሳ፡ ዳዊት ኣብደታ፡ ላሚ ቤኛ፡ ሚኪኤል ቦራና፡ ከነሳ ኣያና፡ ጋዳ ጋቢሳን ጋዳ ኦልጂራን ምዃኖም እቲ ወሃብ-ቃል ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ንምፍታሕ እቶም እሱራት ብሓጐስ ከም ዝቕበሎን ኣመሪካ ድማ ኣብ መስርሕ ዕርቂ ክትስርሕ ምዃናን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ማሕበራዊ ገጻት መግለጺ ጠቒሱ።
ጠባቓ እቶም እሱራት ዝዀነ ቱሊ ባዪሳ ሰለስተ ካብኣቶም ጥራይ ክሲ ከም ዝተመስረተሎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ሽዱሽተ ካብቶም ፖለቲከኛታት ድሕሪ ሞት ሓጫሉ ሁንዴሳ ዝተኣስሩ ኰይኖም፡ ሓደ ግን ቅድሚ'ቲ ፍጻመ ዝተኣስረ'ዩ።
እቶም እሱራት ኣቐዲሞም ብቤት ፍርዲ ናጻ ተባሂሎም እኳ እንተ ነበሩ ገና ግን ኣብ ማእሰርቲ ምጽናሖም ይፍለጥ።
ሕጂ'ውን ብዋሕስ ምውጻኦም ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ጠቒሱ ኣሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይት ዋች ምፍታሕ ኣባላት መሪሕነት ኦነግ ሰናይ ስጉምቲ ክብል ንዒዱ።
ሎሚ ዓርቢ መግለጺ ዘውጸአ ሁማን ራይት ዋች እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ኦነግ ምፍታሖም፣ ንስድራቤቶም ሩፍታ ዝፈጥር እዩ ኢሉ።
ኣመሪካ’ውን ነቲ ስጉምቲ ንኢዳቶ ኣላ።
ቅጥዒ