ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ሀይቲ ኣትዩ


ብሊንከን ብኸቢድ ሓለዋ ተሰንዩ ኣብ ርእሰ-ከተማ ይበጽሕ
ብሊንከን ብኸቢድ ሓለዋ ተሰንዩ ኣብ ርእሰ-ከተማ ይበጽሕ

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብታ ብሕንፍሽፍሽን ስእነት ጸጥታን እትሳቐ ዘላ ሀይቲ ሎሚ ሓሙስ ኣትዩ። ዑደት ብሊንከን ነታ ሃገር ናብ መንገዲ ሰላም ንምምራሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብኣካልን ቀረባን ንምክትታል ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ 2015፡ ብሊንከን ናብ ሀይቲ ዝበጽሐ ዝለዓለ በዓል-መዚ ኣመሪካ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ምስ ባይቶ መሰጋገሪ ሀይቲ ንምርኻብ ሓደ ካብ ዕላማ ጉዕዞ ብሊንከን’ዩ።

ኣመሪካ ዝሓወሰ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብታ ብጭፍራ ሸፋቱ እትመሓደር ዘላ ሃገር ሰላም ንምምላስ በበይኑ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ።

ሀይቲ ውሽጣዊ ጸጥታ ንምቍጽጻር ስለ ዘይከኣለት ካብ ካልኦት ሃገራት ሓይሊ ፖሊስ ዝጸውዐት ኰይና፡ ነዚ ተልእኾ ዝመርሐት ኬንያ'ያ።

ብሊንከን ብድሩዓት መካይን ተዓጂቡ’ዩ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፖርት-ፕሪንስ ኣትዩ። እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ቀረባ እዋን’ዩ ንበረራታት ክፉት ኰይኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG