ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ

ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ
please wait

No media source currently available

0:00 0:27:31 0:00

ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ

ኪሮስ ብርሃነ ፕሮፈሰር ባዮስታስቲክስ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝነጥፈሉ ዓውዲ ሰፋሕቲ ምርምራት ካብ ዝገብሩ ተመራመርቲ’ዩ። እንተዀነ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምርምራዊ ስራሑን ናይ ምምሃርንን ተራኡን፡ ኪሮስ ገና ተመሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከሎ ኣትሒዙ ግጥማታት ኣብ ምጽሓፍ’ዩ ዝርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ዘሕተማ “ወግዒ ምስ ብርዒ” እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር ንስነ-ጥባባዊ ጉዕዞኡ ኣመልኪታ ጋሽ ድምጺ ኣመሪካ ጌርናዮ ኣሎና።

ኪሮስ ኣብ መንጎቲ ዝሓየለ ናይ ምርምር ስራሓቱ’ውን ብቐጻል ግጥምታት ከም ዝጽሕፍ’ዩ ዝሕብር። ካልእ ከም ነዊሕ ልብ-ወለድ ዛንታ’ውን ከም ዝጽሕፍ ዝገልጽ ገጣሚ ኪሮስ፡ ኣብኡ ግን ምስ ሕጽረት ግዜ ዘድሊ ኣቓልቦ ክህቦ ከም ዘይከኣለ ይነግር። ካብ ግጥምታቱ’ውን ብድምጹ ኣካፊሉና ኣሎና፡ ናብቲ ዝሰፍሐ ዕላል ንዕድም።

ቅጥዒ

​
XS
SM
MD
LG