ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ


ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ
please wait

No media source currently available

0:00 0:27:31 0:00

ኪሮስ ብርሃነ -- ወግዒ ምስ ብርዒ፡ ቅልስ ምስ ግጥሚ

ኪሮስ ብርሃነ ፕሮፈሰር ባዮስታስቲክስ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝነጥፈሉ ዓውዲ ሰፋሕቲ ምርምራት ካብ ዝገብሩ ተመራመርቲ’ዩ። እንተዀነ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ምርምራዊ ስራሑን ናይ ምምሃርንን ተራኡን፡ ኪሮስ ገና ተመሃራይ ካልኣይ ብርኪ እንከሎ ኣትሒዙ ግጥማታት ኣብ ምጽሓፍ’ዩ ዝርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ዘሕተማ “ወግዒ ምስ ብርዒ” እትብል መጽሓፍ ምርኩስ ብምግባር እምበኣር ንስነ-ጥባባዊ ጉዕዞኡ ኣመልኪታ ጋሽ ድምጺ ኣመሪካ ጌርናዮ ኣሎና።

ኪሮስ ኣብ መንጎቲ ዝሓየለ ናይ ምርምር ስራሓቱ’ውን ብቐጻል ግጥምታት ከም ዝጽሕፍ’ዩ ዝሕብር። ካልእ ከም ነዊሕ ልብ-ወለድ ዛንታ’ውን ከም ዝጽሕፍ ዝገልጽ ገጣሚ ኪሮስ፡ ኣብኡ ግን ምስ ሕጽረት ግዜ ዘድሊ ኣቓልቦ ክህቦ ከም ዘይከኣለ ይነግር። ካብ ግጥምታቱ’ውን ብድምጹ ኣካፊሉና ኣሎና፡ ናብቲ ዝሰፍሐ ዕላል ንዕድም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG