ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድሕን ጥዕና ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኣመሪካ


መድሕን ጥዕና ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:06 0:00

መድሕን ጥዕና ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኣመሪካ

ኦባማኬር ተባሂሉ ዝፍለጥ መድሕን ጥዕና ፡ንሚልዮናት ኣመሪካውያን ዕድል ውሕስነት ክንክን ጥዕና እንተሃበ`ኳ፡ እቲ ፕሮግራም ኣብ ትሕቲ ዝመጽእ ፕረሲደንት ዝህልዎ ዕድል ግን ንጹር ኣይኮነን። ደምበ ምርጫ ሃሪስ ኮነ ትራምፕ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል`ቲ መድሕን ጥዕና ዛጊት ዝሃብዎ ዝርዝር የለን።

ደምበ ሃሪስ ኮነ ትራምፕ ብኸመይ ነቲ ብምሕጻረ ቃል ኤ-ሲ-ኤ ተባህሉ ዝጽዋዕ ፕሮግራም ከመሓይሽዎ ወይ ከሐይልዎ ከም ዝደልዩ ክገልጹ ብቪኦኤ ተሓቲቶም ዛጊት ምላሽ ኣይሃቡን።

ኣማኻሪ ትራምፕ ዝነበረ ብራያን ብለይስ ግን ካብ ምስራዙ ምምሕያሹ ይመርጽ።

ንገለ ተጠቅምቲ`ቲ መድሕን ግን እዚ ናይ ህይወት ጉዳይ`ዩ። ናብ ዋይት ሃውስ ዝመጸ ይምጻእ እቲ ዝግበር ለውጢ ይኹን ምምሕያሽ ንረብሓ ሕሙማት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ፡ ፖሊሲ ጥዕና ልክዕ ከም ኢሚግረሽንን መሰል ምስዳድ ጥንስን ኣገዳሲ ኣጀንዳ ከም ዝኸውን ይእመን። ጸብጻብ ቨሮኒካ ባልደራስ ኢግለሲያስ `ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG