ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ-ግብጺ-ሶማሊያ፡ ሓድሽ ልፍንቲን ዳግመ-ስርርዕን ይምዕብል


ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለጺ
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለጺ

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ታየ ኣትስቀስላሴ ንህሉዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት እቲ ዞባ ኣመልኪቱ ሎሚ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝግበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ “ብዝሓለፉ ምትፍናንን ጽልኢን ከይተደረተ” ንሓድሽ ምዕራፍ ምሕዝነት ክሰርሕ ጸዊዑ። እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ “ፖሊስታት ወጻኢ ዝምድና ኢትዮጵያ ኣብ ምሕዝነት ጎረባብቲን ሓድነትን ዝምርኰስ’ዩ” ኢሉ። እንተዀነ እቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣስዒቡ፡ “ጎረባብቲ ሃገራት መራብሒ ግብረ-ሽበራ እናዀነ ኢትዮጵያ ኢዳ ኣጣሚራ ኣይክትርእን’ያ፡” ኢሉ።

ሚኒስተር ታየ ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ኣንካራ ኣመልኪቱ’ውን፡ “ንሰላም ክዘርጉ ካብ ዝደልዩ ወገናት ዝቐርብ ርእይቶታት ነቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከነኣእሶ ኣድላዪ ኣይኰነን፡” ኢሉ።

ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ሰብ-መዚ ከተማ ሑዱር ናይ ሶማሊያ ምምጻእ ንሰራዊት ግብጺ ኣብ ቦታኦም ከም ዘይቅበሉ ገሊጾም። ኮሚሽነር ወረዳ ሑዱር ዝዀነ ዑመር ዓብዱላሂ መሓሙድ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ንተኽእሎታት ምምጻእ ሰራዊት ግብጺ ኣብቲ ቦታ ዝምልከት ኣኼባ ምግባሮምን ነቲ ተግባር ኣቐዲሞም ከም ዝቃወሙዎን ገሊጹ።

“ምስ ዝምልከቶም ተወካሊ ህዝቢ ሑዱር ኣኼባ ጌርና። ሰራዊት ኢትዮጵያ እንተ ተኣልዮም ብዛዕብ ክመጽእ ዝኽእል ሃጓፋት’ውን ዘቲና። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ኰይኖም ደሞም ከፍስሱን ንመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ክከላኸሉን ጸኒሖም። ንሳቶም ከይዶም ሰራዊት ግብጺ እንተ ተኪኦም ብሓቂ ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ዓቢ ምልክት ሕቶ’ዩ፡” ይብል ዑመር ዓብዱላሂ መሓመድ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

እቶም በዓልመዚ ከም ዝግለጾ፡ ኣብ 2013 ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ስፍራ ድሕሪ ምልቃቖም ጉጅለ ኣልሸባብ ቀልጢፉ ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሩ። ሕጂ ድማ እቲ ተርእዮ ንኸይድገም ድምጾም ንመንግስቲ ሶማሊያ የስምዑ ከም ዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ዛጊት ንተቓውሞ ሑዱር ኣመልኪቱ ካብ ፈደራል መንግስቲ ሶማሊያ ዝተዋህበ ምላሽ የሎን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንህላወ ሰራዊት ግብጺ ኣብቲ ከባቢ ኣትሪራ ከም እትቃወሞ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማሊላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ጎረቤትና ሶማሊያ ብዝዀነ ይዅን ምስምስ ሰራዊት ግብጺ ምምጻእ ንዞባዊ ዘይርግጋእ ባብ ዝኸፍት ስለ ዝኸውን ኣትሪርና ንቃወሞ፡” ኢሎም።

ኣብ ካልእ ምዕባለ ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ዓብዲ ቢሒ ወረቐት ስራሕ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማሰኛ ተሾመ ሹደ ሃሚቶ ከም ዝተቐበለ ገሊጹ። ሶማሊላንድ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሊማሰኛ ኣምባሳድር ክብሉ’ዮም ጸዊዖሞ ዘለዉ። ኢትዮጵያ ግን ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ወግዓዊ ስም ኣይረቝሐትን። እቲ ዲፕሎማሰኛ ብደረጃ ኣምባሳድር እንተ ተሸይሙ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ናይ ምቕባል ወስታ’ዩ ክርአ።

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ግዜኡ ዝውድእ፡ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምእከል “ኣትሚስ” ዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝጽዋዕ ሰራዊት ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ኣብቅዐ፡ ሶማሊያ ንምሕዳስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ተልእኾ’ያ እትቃወም። ኣብቲ ኣውሶም ብዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝጽዋዕ ሓድሽ ኣወዳድባ ድማ መን ከም ዝሳተፋ ባዕላ ክትውስን ምዃና ትነግር። ዛጊት በየናይ መልክዕ ምዃኑ ዘይነጸረ፡ ግብጺ ኣብቲ ሓድሽ ተልእኾ ተሳታፍነት ክህሉዋ ድሌታ ገሊጻ ኣላ። ኣብቲ ከባቢ ዝተሓደሰ ምትፍንና ዝመጽአ ግን ግብጺ ንሶማሊያ ኣጽዋር ድሕሪ ምሕጋዛ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG