ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካማላ ሃሪስ ኣብ ጉዳይ ዶባት ዝተረረ መርገጺ ክትወስድ ምዃና ትሕብር


ካማላ ሃሪስ ምስ ምኽትላ ሕጹይ ተወዳዳሪ ቲም ዎልዝ
ካማላ ሃሪስ ምስ ምኽትላ ሕጹይ ተወዳዳሪ ቲም ዎልዝ

ምኽትል ፕረዚደንትን ደሞክራሲዊት ሕጽይቲ ፕረዚደንትን ካማላ ሃሪስ ሓሙስ ምሸት ምስ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠየቕ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋውያን ተሳገርቲ ዶባት ዝተረረ መርገጺ ክትወስድ ምዃና ሓቢራ። ሃሪስ ምስ ምኽትላ ቲም ዎልዝ ኣብ ዝነበራ ጻንሖት ሲኤንኤን፡ ነቶም ዶብ ሰጊሮም ዝኣትዉ ስደተኛታት ዋጋ ጥሕሰቶሞ ዝኸፍልሉ መንገዲ ክህሉ ኣለዎ ኢላ።

ብጋዜጠኛ ሲኤንኤን ዴና ባሽ ኣብ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ዝተሓተት ሃሪስ፡ ንእስራኤል ዘለዋ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ሓገዝ ኣጽዋር ምሃብ ደው ከም ዘይተብሎ ገሊጻ። ንሳ ኣስዒባ፡ ንምቍራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታትን ምምሕዳራ ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ገሊጻ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG