ዋሽንግተን ዲሲ —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ናይ ቻይና መዘባኦም ሺ ዣንፒንግ ኣብ ዝመፃ ሰሙናት "ንምዝርራብ ተሃንጥዮም’ለዉ" ክብሉ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዋይት ሃውስ ጀክ ሱልቫን ንመራሒ ቻይና ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝረኸብሉ እዋን ገሊፆምሎም።
ሱልቫን ካብ 2016 ዓ.ም ንነጀው ንቻይና ዝበፅሑ ዘለዉ ፈላማይ ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕነት ክዀኑ እንከለዉ ኣብ ቤጂንግ ንሰለስተ መዓታት ክገብሩዎ ዝፀንሑ ልዝባት ኣብ ዝዛዝምሉ’ዮም ምስቶም መራሒ ቻይና ተራኺቦም። ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ወፃኢን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቻይና ተረኺቦም ኔሮም’ዮም።
ጀክ ሱልቫን ነዚ ዕደት ዝገበሩ ቻይና ምስ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ጃፓንን ፊሊፕንስን ኣብ ፀጥታዊ ምስሕሓብ ኣብ ዝኣተወትሉ’ዩ።
ሱልቫን ኣብቲ እዋን “ፕረዚደንት ባይደን ውድድር ናብ ጎንፅን ምፍጣጥን ክእቱ ከም ዘይብሉን ኣብቲ ዘራኽበና ብሓባር ምስራሕ ርክባት ሒዝካ ምኻድ ኣብ ዝከኣለሉ ንምስራሕ ውፉይ’ዮም፡” ክብሉ ገሊፆም’ለዉ።
እቶም መራሒ ቻይና ብወገኖም ዓበይቲ ለውጥታት እንተሃለዉ’ኳ ቻይናን ኣመሪካን ፅቡቕ ርክብ ከስተማቅራ ይኽእለ’የን ክብሉ ንሱልቫን ምንጋሮም መንግስታዊ መራኸቢታት ቻይና ሓቢሩ’ሎ።
ቅጥዒ