ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግ/ም/ ክ/ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ሽመት ኣመሓደርቲ “ሕጋዊ ስጕምቲ” ከም ዝወስድ የጠንቅቕ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ ረቡዕ ኣምስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ክፉት ደብዳበ፡ ነቲ ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ብሰንበት ዝተዘርሐ ንምሻም ስልጣን ኣመልኪቱ ዝወጽአ መግለጺ ምላሽ ሂቡን ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑን። ኣብቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተዘርግሐ ደብዳበ፡ ነቲ ብመሪሕነት ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ዘካየደ ወገን፡ “ሕግታትን ኣሰራርሓታን ብምጥሓስ” ኢሉ ንዝኸሰሶ ጉባኤ ከም ዘካየድ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ክልል ድማ “ስርዓት ኣልቦነት ንምልባስ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ” ኢሉ ከሲሱ።

ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ህወሓት ብስም ሓላፊት እቲ ቤት ጽሕፈት ወ/ሮ ፈትልወርቅ ገ/ሄር ኣቐዲሙ ዝወጽአ መግለጺ፡ ነቲ ብግዜያዊ ምምሕዳር ዝተገብረ ሓድሽ ሽሞት ምሃብ ኣሰራርሓ እቲ ውድብ ኣይተኸተለን ብምባል ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።

መግለጺ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ጀሚሩዎ ዝበሎ “ክልላዊ ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ኣጠናኺሩ” ክቕጽል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ዝዕንቅፍ ኣካል ድማ ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG