ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃ -- ኣብ ሓደ ሰሙን 4,000 መልከፍቲ ኤምፖክስ ተራእዩ


ሕማም ኤምፖክስ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ወሰኽ የርኢ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ኣህጉር ዳርጋ 4,000 ሓደሽቲ ሕሙማት ተመዝጊቦም ኣለው ብመሰረት ናይ ኣፍሪካ ማእልከል ምቁፅፃር ሕማም ሲዲሲ። እቲ ማእከለ ምቁፅፃርን ምክልኻላን ሕማም ኣብታ ልዕሊ ኩሉ ዝተጎድአት ኮንጎ ኣብዚ ሰሙን ክኣቱ ዝተባህለ ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ዝተገበረሉ ክታበት ክልኣኽል ምሕፅንትኡ ደጊሙ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ናብ ኣፍሪካ ክልኣኽ መብፅዓ ዝተኣተወሉ ናይ መጀመሪያ ክታበት ድሕሪ ናይ ሰነዳትን ህፁፅ ፍቓድ ምሃብን ዘስዓቦ ምድንጓያት 1 መስከረም ክበፅሕ እዩ። ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተኣተወ መብፅዓ 50,00 ዓቐን ከምኡ እውን 15,000 ካብ ጥምረት ክታበታት GAVI ዘጠቓልል እዩ።

ኮንጎ ማእኸል ዓለምለኻዊ ህፁፅ ኩነታት ጥዕና እያ። ኣብኡ ሓድሽ ዓይነት ባህሪ ናይቲ ቫይረስ ተራእዩ ኣሎ ብመሰረት ፀብፃብ ኣሶሸትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG