ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ 2024 ዘቕድሞ ኣጀንዳን


ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ዓመታት ዝቃናዕ ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቻይና ካብ ለበዳ ኮቪድ ድሕሪ ምውጻኣን ዘጋጥማ ዘሎ ቍጠባዊ ማሕንቖን ድሕሪ ምዃኑ’ዩ። እቲ ዋዕላ’ውን ኣብ መንጎ ምዕራብን መራሕቲ ቻይናን ዘሎ ጋግ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን’ዩ ክፍጸም።

ክሊፍ እምቦያ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝመደበሩ ፕሮጀክት ቻይናን ሃገራት ደቡብን ተንታኒ’ዩ፤

“ውድድር ንዓለማዊ ዕበለላ ኣብ ዝዓብየሉ፡ ኣብ መንጎ ቻይና ኣመሪካን ብሓፈሻኡ ድማ ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ጋግ እናገፍሐ ይመጽእ ኣሎ። ስለዚ ድማ ቻይና ነዚ ምስ ኣፍሪቃ እትገብሮ ርክብ፡ ንዘለዋ ቍመና ከተርእየሉን መሓዙት እተዕብየሉን ክኸውን’ዩ።”

ኣብቲ 4 መስከረም ኣብ በይጂንግ ዝጅምር ርክብ፡ ሓምላይ ጸዓት እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣጀንዳ ክኸውን ምዃኑ ሰብ-መዚ ቻይና ኣመልኪቶም ኣለዉ። ቻይና ብዓለም ደረጃ እታ ዝዓበየት ኣፍራዪት ጸሓያዊ ሰሌዳ (ሶላር ፓነል)’ያ። ኣብ ዓመተ 2023 ድማ ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ናይ ጠቕላላ ፍርያት ካብ ቻይና ዝፈረየ’ዩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ቻይና ትርፊ ስራሓት ስለ ዘፍረየትን እቲ ጠለብ ማዕረኡ ስለ ዘይጸንሐ፡ ንዕኡ መወገኒ ዝኸውን ስፍራ ክትረኽበሉ ዘገድድ’ዩ።

ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዘቤታዊ መፍረ ንምትብባዕ ኣንጻር ካብ ቻይና ዝኣቱ ፍርያት ዓቢ ክልከላ ይገብራ ኣለዋ። ካብ መንጎኡ ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ መካይን፡ ሰሌዳታት ጸዓትን ባተሪን ይርከቦ።

ነዚ ጋግ እዚ ንምልላእ እምበኣር’ያ ቻይና ካልእ ኣማራጺ ክትረክብ ክትገደድ ምዃኑ ኣቐድም ተንታኒ እምቦያ ካብ ፕሪቶሪያ ዝኣምን፤ “ፍርያት ቻይና ኣብ ዕዳጋታት ኣመሪካን ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ክልከላ የጋጥሞም ኣሎ። ስለዚ ቻይና ዘለዋ ኣማራጺ ናብ ኣፍሪቃ ምጥማት’ዩ።”

ከም ኣምሳያኡ ድማ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ ንዝጸንሐ ዓቢ ጋግ ንግዳዊ ልውውጥ ክመዓራረ ይትስፈዉ። ቻይና ከኣ ካብቲ እትገብሮ ብዙሕ ሰደድ ካልእ ፍርያት ኣፍሪቃ’ውን ክትቅበል’ዩ እቲ ተስፋ።

እዚ ንኽልተ ወገናት ብማዕረ ዘርብሕ ምዃኑ ገለ ክኢላታት ይኣምኑ። ብሕልፊ ነተን ብዋሕዲ ጸዓት ዝሳቐያ ዘለዋ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምምጻእ ናይ ተሓዳሲ ጸዓት ዓቢ ጾር ከራግፈለን ዝኽእል’ዩ።

ፖል ናቱልያ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ትካል ስትረተጂ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ተመርማሪ’ዩ። ከም ኣገላልጻ እዚ ተመራማሪ፡ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣቱ ተተካኢ ጸዓት፡ ብልቓሕ ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ንሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣርባሒ’ዩ ይብል።

ድሕሪ ለብዳ ኮቪድ፡ ቻይና፡ ኣተኵሮኣ ናብ ሓምላይ መደባትን ተተካኢ ጸዓትን’ዩ ዘሎ። ከም ቅንት ጽርግያን ካልእ መደባት ልምዓትን ኣቢላ ድማ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምጽባብ ተሰርሕ ኣላ።

ካልእ ኣብ ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይዚ ዓመት ኣተኵሮ ክወሃቦም ትጽቢት ዝግበሮም፡ ጽላታት ትምህርቲ፡ ቴክኖሎጂ ሕርሻን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን’ዮም። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ በብውልቂ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ክራኸቡ ምዃብኖም’ዩ--ከም ጸብጻብ ኬት ባርትለት ካብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG