ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን -- ዕቃባውያን እናዓብለሉ ብዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ወጽኢ ሃገር ኢድ የሕጽሩ


ዓብላልነት ዝሕዙ ዘለዉ የማንውያን
ዓብላልነት ዝሕዙ ዘለዉ የማንውያን

ኣብ ምብራቓዊ ጀርመን ናወሰኸ ይኸይድ ብዘሎ ምንቅስቓስ ርሑቕ የማናይ ጫፍ ኩባኒያታት ዘድልዩወን ሰብ-ሞያ ሰራሕተኛታት ወፃኢ ንምስሓብ ይቃለሳ ከም ዘለዋ ፀብፃብ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። 1 መስከረም ኣብ ሰለስተ ክፍለ ግዝኣታት ታሪንጊያ፣ ሳክሶኒን ብራንደንበርግን ከባቢያዊ ምርጫ ክካየድ እዩ። ብመሰረተ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ርሑቕ የማናይ ፓርቲ ይመርሕ ኣሎ። ኩባኒያታት ኦልተርነቲቭ ፎር ጀርመን ዝተብሃለ ፓርቲ ኣብቲ ከባቢ ንምንጋድ ወይ ገንዘብ ንምምዋል ከም ሓደጋ እየን ዝርእየኦ።

ጀርመን ዓቢ ሕፅረት ሞያውያን ሰራሕተኛታት ስለ ዘለዋ ዓመታዊ ኣስታት 400,000 ሰብ ሙያ ስደተኛታት ከም ዘድልዩ ክኢላታት ይግምቱ። ዓለምለኸ ሰራሕተኛታት ግን ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ኣሎ ዝብሃ ፀረ ስደተኛታት ኣረኣእያ ብሉፃት ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ንዘቕርባሎም ዕድመ ስራሕ ኣይቅበሉዎን ዘለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG