ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ብሳልሳይ ኣካል ዘስርሖም ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ከፋኑ ምዃኑ ይሕብር


ኮመርሻል ኖሚኒስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር፡ ንባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝቖፀሮም ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ካብ ዝቕፅል 25 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ስራሖም ከም ዝእለዩ ተገሊፁ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮመርሻል ኖሚኒስ፣ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ዝተረኸቡ፣ ፕረዝደንት እቲ ማሕበር ኣቶ ባህሩ መለሰ፣ እቶም ካብ ስራሕቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝእለዩ ብዝሒ ሰራሕተኛታት 7 ሽሕ ከም ዝግመት ምስ ገለፁ፣ ካብ መንጎኦም፣ ናይ ኣልግሎት ክፍሊት ዘይወሃቦም ስለ ዘለዉ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ክመርሑዎ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቖም።

ዳይረክተር ቢዝነስ ኦፕሬሽን እቲ ትካል ኣቶ ገብረህይወት ጌታሁን ኣብ ዝሃቡዎ ቃለመሕትት፡ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ነቲ ውዕል ስለ ዘቋረፆ፡ ንሳቶም ብገደኦም ምስ ሰራሕተኛታት ዝነበሮም ርክብ ከቋርጹዎ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። ነቶም ሰራሕተኛታት ዝግበኦም ክፍሊት ሂቦም ከም ዘፋንዉዎም ድማ ገሊፆም። እቶም በዚ ምኽንያት ስራሖም ዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት ብዝሖም ሸውዓተ ሽሕ እንተይኮነስ 2,500 ከምዝኾኑ ዘብርሁ እቶም ሓላፊ፣ ንዓኣቶም እውን ናብ ካልኦት ዓማዊልና ብምዝዋር ስራሕ ክነትሕዞም ኢና ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG