ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰሜን ጎንደር ብሰንኪ ምህማም መሬት ዝሞቱ ብዝሖም 23 ደዪቡ


ስእሊ ፋይል --ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዘጓነፈ ሓደጋ ምሃምም
ስእሊ ፋይል --ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዘጓነፈ ሓደጋ ምሃምም

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ጎንደር ብዝሰንኪ ዝወረደ ተደራራቢ ምሃምም መሬት ብድምጹ 23 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 2700 ድማ ኣባይቶም ገዲፎም ምምዝባሎም ንዞባዊ ሰብ-መዚ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ። በዓል-መዚ ህጹጽ ሓደጋ ተወሳኺ 8 ሰባት በቲ ሓደጋ ከም ዝተጎድኡ ኣመልኪቱ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ መዓልቲ ብንጹር ከይስፈረ፡ ናይ ክልል መራኸቢታት ኣቐዲሙ 10 ሰባት ምማቶም ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ዘጋጥም ዘሎ ምህማም መሬትን ዝስዕብ ሓደጋን ህይወት ኣማኢት ዜጋታት ይወስድ ኣሎ። ኣቐዲሙ ኣብ ኮንቾ-ሳካ ጎዝዲ ዝተባህለ ናይ ክልል ደቡብ ኣብ ወርሒ ሓምለ 236 ሰባት ምቕታሉ ዝዝከር’ዩ። ሰሙን ካብቲ ዝቐደመ ሓደጋ ድሒሩ ኣብ ክልል ሲዳማ ሽዱሽተ ሰባት፣ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ድማ ኣብ ክልል ወላይታ 11 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG