ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ እንክዝከር


ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ እንክዝከር
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:08 0:00

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ እንክዝከር

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ካብ መስከረም 17 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ብዕለት 20 ነሓሰ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ሓሙስ 22 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ መቓብር ሓርበኛታት ኤርትራ ተቐቢሩ።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገራይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ። እንተዀነ ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዳይረክተር ማክሮፖሊሲ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኰይኑ ዘገልገለ’ዩ። ሚኒስተር ብርሃነ ኣብተን መጽሓፍቱ ጠቒሱዎ ከም ዝነበረ፡ ኣብ 2011 ንቝጠባዊ ምሕደራን ምቕራሐ ጸጋታትን ከምኡ’ውን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በበይኖም ጉዳያት ምምሕያሽ ክግበሮ፡ ናብ ካልኦት ሚኒስተራት ሓዊሱ ንድፊ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሮ ዝምድና ሓርፊፉን ጸኒሑ ድማ ካብ ስራሕ ምእላይ ኣስዒቡን።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ግን ነተን መጽሓፍቲ ኣብ ወጽኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ውን ሓሳባቱ ብግለጺ ክገልጽ ጀሚሩ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ኣብ ባሕቲ መስረከም 2018 ካብ ኤርትራ ብድምጺ ቀሪጹ ንደገ ዝለኣኾ ሚኒስተር ብርሃነ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ህዝቢ ኤርትራን መልእኽቲ የሊፉ ነይሩ። ኣብቲ ብድምጺ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ መጻኢኡ ባዕሉ ክልውጥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ንሃገራዊ ባይቶ ክእክብን ዝሓትት’ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ሃገራዊ ባይቶ ኣይተኣከብን። እቲ ስሩዕ ርክብ ዘካይድ ዝነበረ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ’ውን ኣብታ 28 መስከረም ናይ 2018 ምስ ተኣከበ ድሕሪኡ ብወግዒ ኣይተራኸበን።

ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ወይ ድማ ኣብ ዝዀነ ንጥፉ ኣገልግሎት ዝርከቡ ምስ ዝሞቱ፡ ጉዳይ ቀብሮም ብሚኒስትሪ ምክልኻል ወይ ናይቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ኣሃዱ’ዩ ዝካየድ። ኣብ ጉዳይ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ግን መርድኡን ጸዋዕቲ ቀብሪን ስድራቤቱ’ዮም ነይሮም። ካብ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ፍልይ ብዝበለ ድማ ዳርጋ ንፈለማ እዋን ብውልቂ ግን ከኣ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምቕባሩ’ዩ። ዘይከም ካልእ እዋን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ልሉይ ግደ ንዝነበሮም ማዕከናት ዜና መንግስቲ ዝገብርኦ ሸፈነ’ውን ኣብ ዝዀነ መራኸቢታት ንዜና ዕረፍቱ ዝጠቅስ ምልክታ ኣይተጻሕፈን። ኣብ ኣስመራ ግን ኣሽሓት ቀባሮ ከም ዘፋነዉዎ ካብ ቤተ-ሰቡ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ንፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝገብሩ ሰብ-መዚ መንግስቲ ነበር ድሕሪ ሞቶም ሬሳታት ብቤተ-ሰብ ክቕበር ከፍቅድ ዝውቱር ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ፡ ኣጋጣሚታት ንኣብነት ከም ሚኒስተር ዜና ነበርን ናይ ሓደ እዋን ኣምባሳድርን ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ሬሳኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ክቕበር መንግስቲ ኣየፍቀደን።

ድሕሪ ማእሰርቲ ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ፡ ካብ በበይኑ ወገናት ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ። እንተዀነ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ፈለማኡ’ውን እንተዀነ ብዛዕባ ማእሰርቱ ዝሃቦ መግለጺ ኣየነበረን፡ ክሳብ ሕጂ’ውን የሎን። ድምጺ ኣመሪካ ብዛዕባ’ዚ ጉዳያ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ተወሳኺ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG