ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን -- ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ 31 ሞይቶም፡ 12 ካብኣቶም ተቐቲሎም


ሎሚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ
ሎሚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓኪስታን ብረት ዝተዓጠቑ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታት ብዝፈፀምዎም መጥቓዕትታት 31 ሰባት ተቐቲሎም፡ 12 ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ድማ ከም ዝተቐተሉ ፖሊስን ሰበ-ስልጣንን ፓኪስታን ገሊፆም።

ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ ምምሕዳር ባሉቺስታን ዕጡቓት ንሰባት ካብ ኣውቶቡሳት፡ ካብ ንኣሽቱ መካይንን ዓበይቲ ናይ ፅዕነት መካይንን እናውረዱ 23 ሰባት ቀቲሎም።

እቶም ኣጥቃዕቲ ቅድሚ ምህዳሞም እንተወሓደ 10 መካይን ከምዘቃፀሉ ድማ ፖሊስ ገሊፁ። ካልኦት ዕጡቓት እውን ኣብ ምምሕዳር ባሉቺስታን ካላት ኣብ ዝተብሃለ ካሊእ ቦታ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንኣርባዕተ ፖላይስን ሓሙሽተ ሓለፍቲ መገዲን ብድምር እንተወሓደ 9 ሰባት ቀቲሎም። ናዕበኛታት ኣብቲ ምምሕዳር ንመስመር መገዲ ባቡር ኣፍሪሶም። ሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ሰኑይ 12 ናዕበኛታት ቀቲሎም ኣለዉ። ምምሕዳር ባሉቺስታን ኣብ ፓኪስታን ነዊሕ ዝፀንሐ ናዕቢ ዝፍፀመሉን ተነፀልቲ ጉጅለታት መጥቓዕታት ዝፍንውሉን ከባቢ እዩ ከም ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG