ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰል ምስዳድ ጥንሲ ሕጂ'ውን ኣዘራራቢ ዛዕባ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ


ጉዳይ ምስዳድ ጥንሲ ሕጂ'ውን ቀንዲ ኣዘራራቢ ዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00

ጉዳይ ምስዳድ ጥንሲ ሕጂ'ውን ቀንዲ ኣዘራራቢ ዛዕባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ተለቪጅን `ኤን-ቢ-ሲ` መደብ `ሚት ዘ ፕረስ` ዝቐረበ ጀይ-ዲ-ቫንስ ኣብቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝግበር ፕረሲደንታዊ ምርጫ እንተ ተዓዊቱ፡ ኣብ ልዕሊ ምስዳድ ጥንሲ ሃገር ለኸ እገዳ ንዘይምግባር ቃል ዝኣቱ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ኔሩ፤ “ብርግጽ ሃገር ለኸ እገዳ ንዘይምግባር ቃል ክኣቱ እኽእል`የ” እዩ ዝበለ ጀይ ዲ ቫንስ። ቫንስ ከምኡ ዝበለ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ `ትሩዝ ሶሻል` ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታኡ “ምምሕዳረይ ንደቀንስትዮን ናይ ወሊድ መሰለንን ከኽብር`ዩ “ ድሕሪ ምባሉ`ዩ።

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ፡ ገለ ሪፓብሊካን ምስዳድ ጥንሲ ብሃገር ደረጃ ክእገድ ኣብ ዝደፍእሉ ዘለዉ እዋን፡ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ እንተተመሊሱ ፕረሲደንታዊ መሰሉ ተጠቒሙ መውደቖ `ዶ ዝብል ሕቶ `ውን ቀሪብሉ ኔሩ ንምኽትል ፕረሲደንታዊ ሕጹይ ሪፓብሊክና ጀይ ዲ ቫንስ፤ “ከምኡ ዝገብር ይመስለኒ። ከምኡ ከም ዝገብር `ውን ብንጹር ክዛረብ ጸኒሑ`ዩ” ክብል መሊሱ።

ደምበ ምርጫ ሃሪስን ዎልዝን ብወገኑ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ፡ መሰል ምስዳድ ጥንሲ ምተሰረዘ ኔሩ ይብሉ። ምኽትል ፕረሲደንታዊ ሕጹይ ደሞክራሲያውያን ቲም ዋልዝ ኣብቲ ዝሓለፈ ሃገራዊ ውዕላ ደሞክራሲያውያን ከምዚ ኢሉ ኔሩ።

“ብፍቓድ ወይ ዘይፍቓድ ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ምልእቲ `ዛ ሃገር ምስዳድ ጥንሲ ምኸልከልዎ ኔሮም፡" ኢሉ ቲም ዎልዝ።

ሃገራዊ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ዕዉት ከም ዝነበረ`ዩ ብተንተንቲ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብቲ ምውሃብ ድምጺ ናብ ተግባር ክትርጎም ደሞክራት ተስፋ ይገብሩ። ነቲ ተስፋታት ዝድርዕ ድማ ደሞክራት ወፍሪ ምርጫ ካብ ዝጅምሩ 540 ሚልየን ዶላር ከም ዝኣከቡ ይዛረቡ ኣለዉ።

ናጻ ሰልፊ ዝኽተል ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ብዛዕብኡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ምኽትል ፕረሲደንት ካመራ ሃሪስ ንዋይት ሃውስ ዘለዋ ዕድል ጥንቓቐ ዝተሓወሶ ተስፍኡ ገሊጹ`ሎ፤ “ጽንኩር ወፍሪ ከም ዝኸውን ይርኣየኒ`ዩ። እታ ምኽትል ፕረሲደንት ናይ ምዕዋት ዕድላ `ውን ይረኣየኒ`ሎ። ብብዝሒ ድምጺ ሚልዮናት መረጽቲ ኣጸቢቓ ከም እትቕድም ርግጸኛ `የ። ካብተን ኣገደስቲ ዝብሃላ ግዝኣታት `ውን ኣብ ብዙሓት ትዕወት ይመስለኒ፡" ይብል።

ሪፓብሊካን ሰነተር ቶም ኮተን ግን በዚ ኣይሰማማዕን፤ “ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሎሚ ፕረሲደንት ኔሩ`ዩ። ህዝቢ ኣመሪካ እንታይ ከም ዝገበረ ይፈልጡ`ዮም። ንዝሓለፈ 4ተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደንን ሃሪስን ዝተሳቐይዎ ይፈልጡ`ዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ድማ ንዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃዋስ ክመልስዎ ዝደልዩ ዘለዉ፡" ይብል ሪፓብሊካን ሰነተር ቶም ኮተን።

ክልቲኦም ደምበታት ምርጫ ነዚ ሰሙን`ዚ ብርክት ዝበለ መደባት ኣለዎም። ምኽትል ፕረሲደንት ካመላ ሃሪስን ምኽትላ ኮይኑ ዝወዳደር ቲም ዎልዝን ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ክፍለ-ሃገር ጆርጅያ ናይ ኣውቶቡስ ጉዕዞ ክገብሩ`ዮም። ትራምፕ ድማ ንሓሙስ ኣብ ዊስከንሰን ህዝባዊ ኣኼባ ንዓርቢ ድማ ኣብ ፐንሲልቨንያ ህዝባዊ ሰልፊ ክመርሕ ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG