ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ እስራኤል ኣብ ዝተኻይደ ባእሲ ክልተ ሞይቶም


ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2023 ካብ ዝተኻየደ ባእሲ ጎደና ዝተወስደ ስእሊ
ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2023 ካብ ዝተኻየደ ባእሲ ጎደና ዝተወስደ ስእሊ

ኣብ መንጎ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙን ዝድግፉን፡ ብቐዳም ኣብ ርእሰ-ከተማ ቴልኣቪቭ እስራኤል ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጎደናታት ባእሲ፡ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ንምንጭታት ሕክምና ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣስፊሩ። ኣብቲ ናይ ጎደና ባእሲ ክልተ ወገናት ኣእማንን ካልእ መሳርሒን ክደራበዩ ተራእዮም ኣለዉ። ኣብቲ ባእሲ’ውን ሸሞንተ ሰባት ምቝሳሎም እቲ ዜና ይሕብር። ፖሊስ ዝርዝር ናይቶም ዝተቐትሉ ስደተኛታት ኣይሃበን። ብኻራ ተሃሪሞም ምማቶም ግን ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣስፊረን።

ተመሳሳሊ ባእሲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ኣብ ወርሒ መስከረም ምክያዱ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ኣብ እስራኤል በብእዋን ብዝደግስ ባእሲ ናብ ምቅትታልን ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና ዘስዕብ መጉዳእቲን ከውርድ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG