ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ጽሕፈት ህወሓት ብግዜያዊ ምምሕዳር ንዝካየድ ምልዓል ሽመት ይቃወም፡ የጠንቅቕ


ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተጻሒፉ ብስም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፈትለወርቅ ገ/ብሄር ትማሊ ሰንበት ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ብግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምምዳብን ምልዓልን ስልጣን “ዘይሓላፍነታዊ” ኢሉ ብምስያም እቲ ተግባር በቲ ውድብ “ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ። እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ ነቲ ብመሪሕነት ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝካየድ ምልውዋጥ ስልጣን፡ “ህወሓት ንምፍራስ” ኢሉ ብምጽዋዕ ደው ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ደብዳበ ብምቕጻል ካብ ዞባ ክሳብ ወረዳ ዝግበር ምልዓልን ምሻምን ስልጣን “ዘይሓላፍነታዊ” ኢሉ ብምስያም፡ ብህወሓት ኣፍልጦ ከም ዘይወሃቦ ኣመልኪቱ።

እዚ ዜና ክሳብ ዝዝርጋሕ ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ብወገን ግዜያዊ ምምዳር ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ኣብ ቀጻሊ ግን ነቲ ዘሎ ምዕባለ ከነስዕብ ኢና።

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ውድብ ህወሓትን ኣብ ምትፍናን ከም ዝጸንሑን እቲ ሓደ ነቲ ካልኣይ ከም ዘይኣምነሉን ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጽኡዎ መግለጺታት ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG