ዕስራን ሰለስተን ኢትዮጵያውን ስደተኛታትን ክልተ የመናውያን መራሒን ተሓጋጋዚኡን ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማያት ባሕሪ የመን ከም ዝጠሓለት ዓለማለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ። እታ ሓደጋ ብሰሉስ ኣብ ታይዝ ዝተባህለ ናይ የመን ቦታ ከም ዘጋጠመ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ሬሳታት ናይ 11 ከም ዝተረኸበ ገሊጹ። እንተኾነ ናይቶም ክልተ የመናውያን መራሕቲ እታ ጃልባ ሓዊሱ፡ ኣለሻ ናይቶም 14 ኣብ ወሽመጥ ዓደን ይቕጽል ኣሎ።
እታ ጃልባ ካብ ጂቡቲ ዝተበገሰት ኰይና፡ እቶም ተጓዓዝቲ ብመንገዲ የመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝቐንዑ ምንባሮም ተሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ዘይውሑስ ጉዕዞ ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት በብእዋኑ ዝወስድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ከም ዝሕብሮ ኣብ ወርሒ ሰነ ብተመሳሳሊ መንገዲ 49 ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ፡ 140 ድማ ደሃዮም ኣይተረኽበን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ’ውን ኣብዚ መስመር ኣብ ክልተ በበይኑ ሓደጋታት 62 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ነቲ ትካል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣስፊሩ።
ዓለመለኸ ትካል ስደተኛታት ከም ዝጽብጽቦ፡ እቲ ዞባ ብቐጻሊ ቅልውላው ኣብ ዝሕመሰሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናብ የመን ክኣትዉ ዝፍትኑን ዝኣትዉን ስደተኛታት ብሰለስተ ዕጽፊ ዓብዩ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት 380-ሽሕ ምዃኑ ጸብጻብ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ይሕብር።
ቅጥዒ