ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ኤምፖክስ ከም ዘይተራእየ ሚኒስተር ጥዕና ይገልጽ


ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛጊት ሕማም ኤምፖክስ ከምዘይተራኣየ ሚኒስቴር ጥዕና’ታ ሃገር ሎሚ ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዛጊት በቲ ሕማም ከም ዝተለኽፈ ዜጋ ኣብ ማእከላት ጥዕና እታ ሃገር ከም ዘይተራእየ ኣብሪሆም። ንሶም ወሲኾም "እቲ ቫይረስ ካብ ዝተራኣየለን ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ድማ ስራሕቲ ምርመራ ይፍጸም ኣሎ፡" ኢሎም። እንተዀነ እቶም በዓል-መዚ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ዝርጋሐ ናይቲ ሕማም ኣብ ምሉእ ዶባት እታ ሃገር ቁጽጽርን ክትትልን ይካየድ ከምዘሎ ጠቒሶም።

ብዘይካዚ፣ ብደረጃ ሃገር፣ ማእከል መሳለጢ፣ ምቅርራብን ቁጽጽርን ከምኡውን ግብረ መልሲ ከም ዝተመስረተ ሓቢሮም ይብል ጸብጻብ ወኪልና ኬነዲ ኣባተ ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG