ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማል፡ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክኽልክል ምዃኑ የጠንቅቕ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

መንግስቲ ሶማል፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ሶማል ጥሒሱ ብምባልን ኣቐዲሙ ዝቐረበሉ መተሓሳሰቢ ኣየተግብረን ኢሉ ብምኽሳስ ናብታ ሃገር ዝግበር በረራታት እቲ መንገዲ ኣየር ደው ከብሎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ርአሰ-ከተማ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝዀነት ሃርጌሳ ዝገብሮ በረራታት፡ “ናብ ሶማሊላንድ” ኢሉ ስለ ዝጠቕሶ’ዩ እቲ ክርክር መጺኡ። በዓል መዚ ኣቭየሽን ሶማል፡ ነቲ መንገዲ ኣየር፡ “ሃርጌሳ ሶማሊላንድ” ኣብ ክንዲ ምባል “ሃርጌሳ ሶማል” ኢሉ ክእርሞ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ 23 ነሓሰ መዘኻኸሪ ኣቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ ዘይከውን ግን ካብታ መዓልቲ ኣትሒዙ ናብ ሃርዴሳ ዝግበር በረራታት ከቋርጾ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ዳይረክተር ሲቪል ኣቭየሸን ኢትዮጵያ ጌታቸው መንግስተ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከም ዝሰምዑ ግን ወግዓዊ ደብዳበ ካብ መንግስቲ ሶማል ከም ዘይተቐበሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ነቲ ጉዳይ ክርምሩዎን ኣብ መጻኢ ግብረ-መልሲ ክህቡሉ ምዃኖምን ግን ኣመልኪቱ።

በዓልመዚ ኣቭየሽን ሶማል፡ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ’ውን ናብ ፍላይ ዱባይ ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ኢማራት’ውን ልኢኹ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ መንገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ’ውን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝግበርናዮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG