ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልሳይ ምሸት ጉባኤ ደሞክራሲያውያን፤ ቲም ዎልዝ ሕጸኡ ብወግዒ ተቐቢሉ


ረቡዕ ምሸት ምኽትል ፕረዚደንት ንምዃን ምስ ካማላ ሃሪስ ኣብቲ ውድድር ክኣቱ ብወግዒ ዝተቐበለ ቲም ዎልዝ
ረቡዕ ምሸት ምኽትል ፕረዚደንት ንምዃን ምስ ካማላ ሃሪስ ኣብቲ ውድድር ክኣቱ ብወግዒ ዝተቐበለ ቲም ዎልዝ

ረቡዕ ምሸት ንሳልሳይ እብረ ዝተራኸበ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን፡ ሎሚ’ውን ንሓያሎ ስሙያት ሰባት ኣካቲቱ ኣምስዩ። ቀንዲ ኣተኵሮ ናይ ረቡዕ ምሸት ጻንሖት፡ መደረ ምኽታል ፕረዚደንት ንክኸውን ብካማላ ሃሪስ ተሓጽዩ ዘሎ ኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ ቲም ዎልዝ’ዩ። ረቡዕ ምሸት ዎልዝ ነቲ ዝቐረበሉ ሕጸ ብወግዒ ዝተቐበለሉ’ዩ።

ነዚ ንምክትል ፕረዚደንት ኰይነ ነዚ ሕጸ ብወግዒ ክቕበሎ እንከለኹ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ሓጐስ’ዩ፡” ኢሉ ዎልዝ።

ቅድሚኡ ግን ብቐንዱ ኣብ መሰል ፍርያምነትን ድሕሪ ምልዋጥ መሰል ምንጻል ጥንሲ ብጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ተራእዩ ዝተባህለ ምብሕጓስ መሰላትን ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዕዱማት ኰይኑ ኣምስዩ። ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ብድፍኢት ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝገበሩዎ ናይ ጥሪ 6፡ 2021 መጥቃዕቲን ሳዕቤናቱ ኣብ ደሞክራሲያዊ ታሪኽ ኣመሪካ’ውን ካብቲ ኣተኵሮ ዝተዋህቦ ዛዕባ’ቲ ምሸት’ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ትራምፕ ንዝመጽእ ምርጫ እንተ ተዓዊቱ ከተግብሮ ከም ዝኽእል ዝጥርጠር ፕሮጀክት 2025 ብዝብል ኣርእስቲ ብኣዝዩ ዓቃባዊ ናይ መጽናዕቲ ትካል ዝቐረበ ንድፊ’ዩ። እንተዀነ እቲ “ሀሪተጅ” ዝተባህለ ትካል ዝቐረበ ንድፊ፡ ዶናልድ ትራምፕ እንተ ተዓዊቱ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ምዃኑ ዝተረጋገጸ የሎን።

ናይ ቅድም ፕረዚደነት ቢል ክሊንተን ኣብ መድረኽ ቺካጎ
ናይ ቅድም ፕረዚደነት ቢል ክሊንተን ኣብ መድረኽ ቺካጎ

ኣብቲ ንኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካን ኰይኖም ድጋፎም ግን ንካማላ ሃሪስን ቲም ዎልዝን ንምርኣይ ዝተረኽቡሉ ምሸት፡ ካብ መንጎ’ቶም ካልኦት ስሙይታት ተዛረብቲ ናይቲ ምሸት ናይ ቅድም ፕረዚደንት ቢል ክሊንቶን፡ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዓቢ ሚዛን ዝወሃባ ናይ ቅድም ኣፈ-ጉባኤ ናንሲ ፖለሲ፡ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛን ገባሪት ሰናይን ኦፕራ ዊንፍረይ ይርከቡዎም።

ቲም ዎልዝ ኣብ መድረኡ፡ ኣብ ውትህድርና ዝነበሮ ግዜ፡ ኣብ ምምህርናን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘሕለፎ እዋናት ኣንዊሑ ተዛሪቡ። ካብቶም ኣቐዲሞም ንምስክርነት ቃሎም ዘስምዑ ዕዱማት እቲ ምሸት’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቴማ -- ካብ ህዝቢን ንህዝቢን ከገልግል ምዃኑ’ዮም ተዛሪቦም። ብቐንዱ ድማ ኣተኵሮ ናይ ረቡዕ ምሸት መድረታት፡ ቲም ዎልዝ ኣካል’ቲ ሰራሕተኛን ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣመሪካን ምዃኑ’ዮም ዝያዳ ጸቒጦም ተዛሪቦም።

እቲ ኣማሓዳሪ ሚኒሶታ ኰይኑ ክገልግል ዝጸንሐ ቲም ዎልዝ ኣብ መድረኡ ነቲ ምስ ሰልፊ ርፓብሊካውያን መትከትላዊ ፍልልይ ዝርኣዮም ከም መሰል ምርጫ ፍርያምነት፡ ንሃብታማት ዝያዳ ግብሪ ምኽፋልን ካልእ ውልቃዊ ናጽነትን’ውን ተዛሪቡ።

ሓሙስ ምሸት ካማላ ሃሪስ ብወግዒ ነቲ ሕጸ እትቕበለሉን መድረ እተስምዓሉን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG