ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩክሬን ንውሽጢ ሩስያ ትግስግስ፡ ሩስያ መጥቃዕቲ ተሓይል


ዶንተስክ ኣብ ዝተባህለ ምብራቓዊ ዞባ ዩክሬን፡ ሰራዊት ሩስያ ናብቲ ይግስግሱ ስለ ዘለዉን ሓያሎ ከተማታት ስለ ዝተቖጻጸሩን ነበርቲ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሮም ክሃድሙ ምጅማሮም ኣገልሎት ዜና ፈረንሳይ ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኩርስካ ዝተባህለ መሬት ሩስያ ዩክሬን ንቕድሚት ደፊኣ ሓያሎ ቦታታት ሩስያ ተቖጻጺራትሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ።

እዚ ዳሕረዋይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ብሩስያ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ወራር ዩክሬን ካብ ዝጅምር ንደሓር ናብ ምሉእ ኲናት ዝተቐየረሉን ምሉእ ዘይቋርጽ ደብዳብ ከቢድ ብረት ዝተሓወሶን ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር።

በቲ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረት ሓያሎ ኣባይቲ ፈሪሱ፡ ነበርቲ ድማ ካሃድሙ ተራእዮም ኣለዉ። ሰብ-መዚ ዩክሬን ኣብ ካልእ ኣከባቢ መጥቃዕቲ ሩስያ ይሕይል ስለ ዘሎ ነበርቲ ክሃድሙ መምርሒ ሂቦም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG