ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

42 ደቀንስትዮ ዝቐተለ ኬንያዊን 12 ኤርትራውያንን ካብ ማእሰርቲ ናይሮቢ ተሰዊሮኦም፡ ፖሊስ ኣብ ሃድን ይርከብ


ኣብ መስርሕ ምህዳም ዝተጠርጠሩ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቤት ፍርዲ
ኣብ መስርሕ ምህዳም ዝተጠርጠሩ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ቤት ፍርዲ

በዓልቲቤቱ ሓዊሱ ብቕትለት 42 ደቀንስትዮ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኮሊንስ ጁማይሳ ዝተባህለ ኬንያዊ፡ ብሰሉስ ምስ 12 ኤርትራውያን እሱራት ድሕሪ ምህዳሙ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ኣብቲ ተግባር ተጠርጢሮም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቲ “ሰታዪ ደም” ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ወዲ 33 ኬንያዊ፡ ካብ 2022 ኣትሒዙ ን42 ቀቲሉ፡ ኣብ ሓደ ጋህሲ ክቐብረን ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብ ቀረባ እዋን ተታሒዙ ተኣሲሩ ነይሩ።

ቀንዲ ተደላዪ ዝርከቦም እሱራት ንሓጺናዊ ሓጹር ቤት ማእሰርቲ ቆሪጾም’ዮም ክሃድሙ ዝኸኣሉ። እንተዀነ ክሳብ ንጽባሒቱ ሰዓታት ንግሆ ግዜ ቁርሲ፡ ፖሊስ ንምምላጥ እቶም እሱራት ኣይተገንዘበን ጸኒሑ -- ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።

እቶም ካብ ማእሰርቲ ምስቲ ቀንዲ ጥርጡር ዝሃደሙ 12 ኤርትራውያን ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምእታዎም ከም ዝተኣስሩ እቲ ዜና ይሕብር። እንተዀነ ዘይሃደሙ ኣርባዕተ ኤርትራውያን እሱራት’ውን ኣብ ምርመራ እቲ ጉዳይ ይተሓባበሩ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG