ኣብቲ ሰሉስ ምሸት ኣብ ቺካጎ ንኻልኣይ መዓልቱ ዝተራኸበ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን፡ ድሕሪ በዓል ቤት ካማላ ሃሪስ፡ ናብ መድረኽ ዝደየቡ ስድራቤት ኦባማ’ዮም። ቀዲማ መድረኽ ዝተረከበት ሚቸል ኦባማ፡ ኣብ መድረኣ ካማላ ሃሪስ ብመንጽር ፖሊሲታት ዶናልድ ትራምፕ’ያ ምንጽጻር ገይራ። ሚቸል ኣብ መድረኣ፡ “ኣመሪካውያን ብዘይካ ካማላ ሃሪስን ቲም ዎልዝን ካልእ ኣማራጺ የብሎምን፡” ኢላ። ንሳ ከምኡ ክትብል እንከላ፡ ነቶም መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ክሰርሑ ዝኽእሉ እቶም ክልተ ደሞክራሲውያን ምዃኖም’ያ መዲራ።
ሚቸል ኦባማ ኣብ መድረኣ፡ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ጥራይ ተሪፉ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ቀልጢፉ ንምድማጽ ክምዝገብ’ያ ጸዊዓ።
ሚቸል ኦባማ መድረኣ ድሕሪ ምስማዕ ናብ መድረኽ ዝዓደመቶ ናይ ቅድም ፕረዚደንትን በዓልቤታን ባራክ ኦባማ’ዩ ነይሩ። ባራክ ኣብ መኽፈቲ ዘረባኡ፡ ምስ ጆ ባይደን ዘለዎም ምትእስሳርን ናይ ስራሕ ርክብን’ዩ ተዛሪቡ። ነቲ ምኽትሉ ኰይኑ ዝሰርሐ ባይደን ድማ ነቲ ዳሕራይ ዝወሰዶ ስጕምቲ -- ንካማላ ሃሪስ ብምስጋሩ--ብምንኣድ፡ “ምእንቲ ደሞክራሲ ኢሉ ሽግ ዘሐልፈን ዝዓበየ ውልቃዊ መስዋእቲ ዝኸፈለን፡” ክብል ገሊጹዎ። ኦባማ ኣስዒቡ፡ እቲ ዝዓበየ ተጽዕኖን ሓላፍነትን ናይ ህዝቢ ውሳነ ስለ ዝኾነ፡ ድምጾም ክህቡ ደጊሙ ተላብዩ።
ባራክ ኦባማ’ውን ኣብ መድረኡ ህዝቢ ስለምንታይ ንካማላ ሃሪስ ክመርጽ ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ትራምፕ ከፋፋሊን ንረብሓ ሃብታማት ዘቕድምን’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ።
እንተኾነ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ብወገኖም ምምሕዳር ባይደን ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርአ ዘሎ ቍጠባዊ ዝቕባበን ኣብ ዶባት ዝርአ ዘሎ ቅልውላውን ዝብል ምጉት’ዮም ዘቕርቡ። ንኣመሪካ ናብ ዝተርጋግአ ቍጠባዊን ጸጥታዊን ውሕሰንት ክመልሱዋ ዝኽእሉ ድማ ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሉ ኰይኑ ዝወዳደር ዘሎ ጀይ.ዲ. ቫንስን ምዃኖም ይነግሩ።
ኦባማ መደረኡ፡ “እዚ ምርጫ ምሉእ ዓለም ዝዕዘቦ ስለ ዝኾነ ኣድመጽቲ ተሰኪሞ ዘለዉ ሓላፍነት ዓቢ’ዩ፡” ኢሉ። “ንዓለም ፖሊስ ክንኮነላ ኣይንደልን፡” ዝበለ ኦባማ፡ እንተኾነ ኣመሪካ ናይ "ጽቡቕ ኣርኣያ መሪሕነት ክትሕዝ ዘለዋ ሓላፍነት" እውን ጸቒጡ ተዛሪቡ።
ቅጥዒ