ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንሶ ከባቢ ወረዳ ሰገነ ከተማ ሰገን ዝሓለፈ ቀዳም 11 ነሓሰ 2016 ዓ/ም መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ተፈፂሙ ብዝተብሃለ መጥቓዕቲ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣማሓዳሪ ከባቢ ወረዳ ሰገን ኣቶ ኡርማሌ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
ኣብቲ ከባቢ ዝፀንሐ ዓቢ ፀገም ፀጥታ ከም ዘሎ ዝገለፁ ኣቶ ኡርማሌ ‘’ግዝኣት ነስፍሕ ኢና፡’’ ይብሉ ኣለዉ ዝበሉዎም ሰበስልጣን ዞባ ጋርዱላ ወረዳ ደራሼ ተሓተቲ እዮም ኢሎምዎም።
ኣብቲ ከባቢ ዝለዓለ ፀገም ምህላው ዝገለፁ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጋርዱላ ኣቶ ብርሃኑ ኩናሎ ግን ናይቲ መጥቓዕቲ ፈፀምቲ ካብ ወረዳ ደራሼ ዝመፁ ብናይቲ ዞባ ምምሕዳር ዝድገፉ እዮም ንዝብል ክሲ ሓሰት እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።
ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ሰነግን በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ዝለዓለ ጉድኣት ምውራዱ ብምግላፅ፡ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዝርከቡ ሓቢሮም። በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሬሳኦም ንኽልተ መዕልታት ከይተልዓሉ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልልን ፌደራል መንግስትን ክበፅሕሎም ፀዊዖም።
ቅጥዒ