ዋሽንግተን ዲሲ —
ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ኣብ ዝቃንዓሉ ዘሎ ከተማ ቺካጎ፡ ኣሽሓት ተሰለፍቲ ንምቍራጽ ኲናት ቓዛ ብምጽዋዕ ተቓውሞ ከስምዑ እንከለዉ፡ ዓሰርተታት ካብኣቶም ከኣ መኸልከሊ ሓጹር ሰጊሮም ናብ ቀጽሪ እቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ስፍራ ከም ዝሰገሩ ኣሶሸትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ቆልዑ ዝሓዙ ተሰለፍቲ፡ ተመሃሮን ተወከልቲ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ጸቕጢ ክገብሩን በበይኑ ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም። ዝበዝሑ ብሰለማዊ መንገዲ ተቓውሞኦ ከስምዑ እንከለዉ፡ ውሑዳት ግን ነቲ ሓጹር ሰቢሮም ድሕሪ ምእታዎም ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም ተወሲዶም ኣለዉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ደሞክራሲያውያን ናይ ቅድም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን በዓልትቤቶም ሚቸል ኦባማን ከምኡ’ውን በዓልቤት ምኽትል ፕረዚደንትን ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪትን ካማላ ሃሪስ ዝዀነ ዳግ ኢምሆፍ ካብ መንጎ’ቶም ሎሚ መደረ ክስምዑ መደረ ተታሒዙዎም ዘለዉ’ዮም።
ብዘይካኡ፡ ኣመሓደርቲ እተን ኣብ ምርጫ ናብ ሓደ ሰልፊ ዘይጽግዓ ክፍለ-ሃገራት’ውን ቃል ከስምዑ’ዮም--ከም ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ።
ቅጥዒ