ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ህንዲ ከተማ ኒው ደልሂ ኣማኢት ዶክተራት ሰለማዊ ሰልፊ ወጽዮም ውዒሎም- ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዝከላኸል ሕጊ ክህሉን ነታ ኣብ ሆስፒታል መንግስቲ ተዓሚጻ ዝተቐተለት ብጸይቶም ፍትሒ ንምሕታትን።
እቶም ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ጥዕና ሰልፊ ዝወጹ ዶክተራት፡ “ፍትሒ ምድንጓይ ማለት ፍትሒ ምንፋግ`ዩ፡” ዝብል ጭርሖ ሒዞም ኔሮም። ኣብቲ ኣፍደገ`ቲ ሚኒስትሪ ናጻ ሕክምና ክህቡ`ውን ፈቲኖም ኔሮም- እንተኾነ ፖሊስ ጠጠው ኣቢሉዎም። ጓል 31 ዓመት ኣብ ስልጠና ዝነበረት ዶክተር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ከልካታ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ስራሕ ከላ ተዓሚጻ ከም ዝተቐትለት ተገሊጹ`ዩ።
እቶም ሰልፊ ዝወጹ ዶክተራት፡ እቲ ዓመጽን ቅትለትን ዘርእዮ እንተሎ ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ንጎንጺ ዝተቓልዑ ምዃኖም`ዩ ይብሉ። ቅድሚኡ `ውን ኣሸሓት ሰባት ንተመሳሳሊ ዕላማ ሰልፊ ወጽዮም ኔሮም `ዮም።
ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ጎንጺ ቀጺሉ`ሎ ዝብል ጥርዓናት የስምዑ። ኣባላት ባይቶ ህንዲ መቕጻዕቲ ዝብይን ተሪር ሕግታት እንተውጽኡ`ኳ ነቲ ዓመጽ ደቀንስትዮ ከህድኦ ኣይከኣለን። ኣብ 2022 ዝወጸ ናይ ጸብጻብ ፖሊስ ከም ዘርእዮ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ጥራይ፡ 31, 516 ዓመጽ ደቀንስትዮ ተፈጺሙ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20% ዝወሰኸ `ዩ።
ቅጥዒ