ኣብ መቐለ ክካየድ ዝቐነየ መበል 14 ወድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝተዛመሉ፡ ንዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ደጊሙ ንኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ክመርጾ እንከሎ፡ ንኣቶም ኣማኑኤል ኣሰፋ ድማ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ ምኽታል ገይሩ ሓርዩ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ ዘይሕጋዊ እዩ ብምባል ከም ዘይሳተፉ ዝገለፁ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ኣብቲ ሓድሽ ዝርዝር ኣባላት ማእከላዊ ኮሚቴ ኣይተኻተቱን። ካብቲ ጉባኤ ንዝተሓስሙ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ነበር'ውን ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ከም ዝሰረዙ ተፈሊጡ ኣሎ።
እንተዀነ ብናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሑ ኣብዚ ጉባኤ ዘይተሳተፉ 16 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ እቲ ውድብ ነበር ብወገኖም፡ ብቐዳም ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ውጽኢት እቲ ጉባኤ ሕጋውነት ከም ዘይብሉ መግለጺ ሂቦም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ውድቦም ንምድሓን ከም ዝሰርሑ ገሊጹ።
ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ንውጽኢት እቲ ጉባኤ ሕጋውነት ከም ዘይህቦ ኣፍሊጡ'ዩ።
ቅጥዒ