ኣዲስ ኣበባ —
ኣሚያ ፓወር ዝተባሃለ ኩባንያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ሶማሊ ብ628 ሚሊዮን ዶላር ካብ ንፋስ 300 ሜጋዋት ዝዕቀን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተሰማሚዑ። እቲ ኩባያ ምስ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ቀዳም 11 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ፈሪሙ ኣሎ። እቲ ስምምዕ ንዝቕፅሉ 25 ዓመታት ከምዝፀንዕ እንትግለፅ፣ ኣሚያ ፓወር ነቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 2 ዓመትን ፈረቓን ክዛዝሞ፣ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሸጠሉ ተሰማሚዑ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ውልቀ ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክሳተፉ ዝፈቅድ ኣዋጅ ቅድሚ 6 ዓመት ከም ዝፀደቐን፣ ኣሚያ ፓወር ድማ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ስራሕ ከም ዝጀመረን ሓለፍቲ ሚኒስተር ገንዘብ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
ቅጥዒ