ዋሽንግተን ዲሲ —
ብመንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምዕራፍ ዝተገብረ ፈተነ፡ ብሕልፊ ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ዘተ ስለ ዝተሓስሞ፡ ከምቲ ተስፋ ዝተገብሮ ኣይቀንዐን። እንተዀነ ንኽልተ ወገናት ናብ ጠረጴዛ ንምምጻእ ኣመሪካ ክትሰርሕ ምዃና ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኮን ከርቢ ንጋዜጠኛታት ትማሊ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ ቀረባት፡ ሓማም ሸሮኽ ብቕልጡፍ ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም የጠንቅቕ ኣሎ። በዚ ሕማም ዛጊት ልዕሊ 11-ሽሕ ዜጋታት ከም ዝተለኽፉ ዘመልከተ እቲ ውድብ፡ ድሮ 316 ምቕታሉ’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ንሕምሙታን ካልኦት ዜጋታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ስለ ዘየሎ እቲ ምልባዕ እቲ ሕማም ከም ዝብእስ ዝጠቐሰ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ከም በዓል ሕማማት ኣንቅጺ ዝኣመስሉ ክስፋሕፍሑ ዘለዎም ተኽእሎ’ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ቅጥዒ