ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ንግብረ-መልሲ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነጺጉ


ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን ምዝራዝ እቲ ውድብ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ሕጋዊ ሰውነቱ ንኽምለስ ንዘቕረቦ ሕቶ ስዒቡ፡ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንዝተዋህበ ናይ ግዜያውነት ምስገባ ብቐዳም ኣብ ዝጸሓፉ ደብዳበ ነጺጉ። ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ብዓርቢ ብ03 ነሓሰ 2016 (09 ነሓሰ 2024) ናብቲ ውድብ ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ ብመሰረት እቲ ቦርድ ዘጽደቖ ኣዋጅ ምምሕያሽ እቲ ውድብ ብፍሉይ ኩነታት ብዝውሃብ ምስክር ወረቐት ክምዝገብ ዘፍቅድ’ዩ ነይሩ።

ህወሓት ብወገኑ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ ምላሽን ኣብ ወግዓዊ መርበባቱ ኣብ ዘዘርግሖ ቅሉዕ ደብዳበን እቲ ንሱ ዝሓተቶ ንምሉእ ሕጋዊ ሰውነት ንምምላስ ደኣ’ምበር ብቅድም-ኩነትን ግዜያውነት ምስክር ወረቐትን ከም ዘይቅበሎ ኣስሚሩ። ዘቕረቦ ሕቶን ዝተዋህቦ መልሲን በበይኑ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ ህወሓት፡ ብእኡ መሰረት ድማ ነቲ መልሲ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ። ኣስዒቡ ድማ፡ “እቲ ውሳነ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይተመስረተ፡ ቅድሚ ሕዚ ንኻልኦት ትካላት ፈደራል ንዝተዋህቡ ውሳነታት ከምኡ’ውን ንዝነበሩ ምይይጣትት ዝፃረር ዝርዝር ትሕዝቶታት ንህውሓት ዘሸክም ብምዃኑ እቲ ዝቐረበ ሕቶ ክሳብ ዝምለስ ህውሓት ውብዳዊ ሕገ ደንቡ ብዝፈቕደሉ ስራሕቱ ክፍፅም ኢዩ። መንግስቲ ፈደራል ድማ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ፃውዒት የቕርብ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG