ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማራቶን ኦሎምፒክ ፓሪስ -- ታምራት ቶላ ወርቂ መዳልያ ዓቲሩ


ታምራት ፈለማ ብኮሚተ ውድድር ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ናብዚ ውድድር ኣይተሓጽየን ነይሩ
ታምራት ፈለማ ብኮሚተ ውድድር ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ናብዚ ውድድር ኣይተሓጽየን ነይሩ

ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝተኣናገደ ውድድር ማራቶን ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ ኢትዮጵያዊ ታምራት ቶላ ቀዳማይ ብምውጻእ ንኢትዮጵያ ፈላሚት ናይዚ ዓመት ውድድር ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ ኣግዚሙ። ታምራት ብ2፡06፡26 ግዜ ክውድእ እንከሎ ንዕኡ ስዒቦም ድማ በልጁማዊ ባሺር ዓብዲን ኬንያዊ በንሰን ኪፕሪቶን ኣትዮም። ኣብ ማራቶን ኦሎምፒክ ኣከታትሉ ንሰለስተ ወርቂ መዳልያ ክዓትር ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ኬንያዊ ኢሉይድ ኪፕቾገ ነቲ ውድድር ኣይዛዘሞን።

“ዕላማይ ምስታ ዓባይ ጉጅለ ምጕዓዝ’ሞ ኩነታት መዚንካ መጥቃዕቲ ምፍናው’ዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ባዕለይ ነቲ ቅልጣፈ ክቕልሶ ጀሚረ፡” ኢሉ ታምራት ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ወዲ 32 ዓመት ታምራት ቶላ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ማራቶን ኒውዮርክ’ውን’ዩ ነይሩ።

ታምራት ፈለማ ብኮሚተ ውድድር ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ናብዚ ውድድር ኣይተሓጽየን ነይሩ። እንተዀነ ንውድድር ማራቶን ተሓርዩ ዝነበረ ሲሳይ ለማ ብምኽንያት ምጭብባጥ ጭዋዳ ካብቲ ውድድር ስለ ዝሰሓበ ከም መተካእታ’ዩ ኣትዩ።

ኣብ ውድድር ማራቶን ሓሙሻይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣመዝጊቡ ዝርከብ ቀነኔሳ በቀለ ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳም ውድድር መበል 39 ተርታ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG