ዋሽንግተን ዲሲ —
ንብረት ብራዚላዊ መንገዲ ኣየር ቮፓስ ዝዀነት ነፋሪት ሎሚ ዓርቢ 58 ተጓዓዝቲን ኣርባዕተ ኣባላት በረረን ሒዛ ከም ዝተሓምሸሸት ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ። እታ ካብ ካሳቫል ዝነቐለት ነፋሪት ናብ ርእሰ-ከተማ ሳኦፖል’ያ ተምርሕ ነይራ። ኣብ መዕለቢኣ ሳኦፖል ክትበጽሕ እናተቐረበት ድማ ኣብ ቪንሀዶ ዝተባህለ ኣብ ወዲቓ። እቲ መንገዲ ኣየር ብዘይካ’ቶም ብዝሒ ተሳፈቲ ክንደኡ ካብኣቶም ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቖሰሉ ኣየነጸረን።
ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እንተዀነ ካብኣቶም ዝተረኽበ ዝርዝር ግዳያት ግን ዛጊት የሎን።
ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ኢናሺዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ንግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኽሪ ክግበረሎም ሓቲቱ።
ቅጥዒ