ንናጽነት ካታላኝ ዝቃለስ ካርለስ ፑጅዲሞን ኣብ 2017 ካብታ ሃገር ወጺኡ ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃንደበት ናብ ካታላኝ ተመሊሱ እንደገና ስለ ዝተሰወረ ኣብ ሃድን ፖሊስ ኣሎ። ፑጅዲሞን ብሓያሎ ክስታት ፖሊስ ክህደን ድሕሪ ምጽናሑ’ዩ ናብ ሃገሩ ብሕቡእ ተመሊሱ።
Text: ፑጅዲሞን ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ስጳኛ ክሰወር እንከሎ፡ ነታ ኣውራጃ ካታላኝ ካብ ስጳኛ ተፈልያ ናጽነታ ንኽትእውጅ’ዩ ዝቃለስ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ወዲ 61 ዓመት ብፖሊስ ስጳኛ ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ በልጂዩም’ዩ ተሰዲዱ ነይሩ። ሕጂ ግን ሃንደበት ናብታ ኣውራጃ ብስቱር ተመሊሱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ደገፍቲ መደረ ኣስሚዑ።
ንናጽነት ኣውራጃ ካታላኝን ምፍላይ ካብ ስጳኛን ዝቃለስ ዜጋ ነቲ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን፡ ፖሊስ ኣብ ከባቢኡ ኰይኖም ንምእሳሩ ክጽበዩ’ዮም ጸኒሖም። ድሕሪ’ቲ መደረ ፑጅዲሞን ናብ ንእሽቶ ቴንዳ ብምእታው፡ ኣይጸንሐን ናብ ካልእ እትጽበዮ ዝነበረት መኪና ብምስጋር ቀልጢፉ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ።
ፖሊስ ተዛንዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፍጥነት ናይቲ ዝሰዓበ ፍጻመታት ብምግራም፡ ንሓደ ካብ ኣባሎም ጥራይ ኣሲሮም፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ሃድን ንምርካብ ፑጂሞንት ድማ ነቲ ስራሕ ደው ከም ዘበሉ ኣፍሊጦም።
ድሕሪ ምስዋር እቲ ፖለቲከኛ፡ ነታ 1.6 ሚልዮን ነባሪ ዝርከባ ከተማ ኣብ ከቢድ ተፍትሽ ኣእትዮም ደቂቕ ክትትል ክግበሩ ኣርፊዶም። ሃድን ግን ዕዉት ኣይነበረን።
ፑጅዲሞን ናብ ካታላኝ ዝኣተወ ሓድሽ ፓርላማ እታ ኣውራጃ ቃለ-ማሕላ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን’ዩ። እንተዀነ ካብቲ መንግስታዊ ጽንብል ዝፍጸመሉ ቦታ ከይረሓቐ ነቲ ህዝባዊ መደረ ኣስሚዑ ተሰዊሩ። ንሱ ኣብ መደረኡ ሓይሊ ፖሊስ ስጳኛ ኣንጻር ተቓለስቲ ንናጽነት ካታላኝ ብዛዕባ ዝገብሩዎ ሃድን’ውን ተዛሪቡ’ዩ። ፖሊስ ነቲ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን ከቢቦሞ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ኵሉ ዜጋ ናይ ርእሰ-ውሳነ መሰል ኣለዎ፡” ኢሉ።
ካርለስ ፑጅዲሞን ንናጽነት እታ ካታላኝ ካብ ስጳኛ ኣትሪሩ ዝቃለስን ሃገር ከይኰነት ቃልሱ ከም ዘየቋርጽን ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።
ቅጥዒ