ትማሊ ሰኑይ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ብናይ ርሑቕ ድምጺ ምሉእ ድጋፍ ዝረኸበት ሕጽይቲ ፕረዚደንታዊት ተወዳዳሪት ካማላ ሃሪስ ንኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ ቲም ዋልዝ ምኽትላ ኰይኑ ኣብዚ ውድድር ክቕጽል ሓርያቶ ኣላ።
ናይ ቅድም ወታሃደርን ንማሕበር ሰራሕተኛታት ዝጣበቕን ዋልዝ ነቲ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ከም መሪሕ ኣጀንዳ እዚ ውድድር ኣቐሚጦሞ ዘለዉ ክዋጽኦ ተስፋ ይንበሮ። ቀንዲ ስክፍታ ሰልፊ ካማላ ሃሪስ ኣብተን በበእዋኑ ተመረጽቲ ዝለዋውጣን ግድን ንተወዳዳሪ ሓደ ሰልፊ ዘይመርጻን’ዩ። ኣብ ኣመሪካ ብልምዲ ስዊንግ ስቴትስ ተባሂለን ዝፍለጣ ከም በዓል ሚሽጋንን ዊስከንስንን ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2016 ምዕዋቱ ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲውያን ስንባደ’ዩ ፈጢሩ። ዋላ’ኳ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ኣብተን ክልተ ክፍለ-ሃገራት እንተ ዘይተዓወተ፡ ሕጂ ግን እንኮላይ ንሚኒሶታ ከጠቓልል ዓሊሙ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ኣማሓዳሪ ሚኒሶታ ቲም ዋልዝ ከም ምኽታል ኰይኑ ኣብዚ ምርጫ ምሕራዩ እምበኣር ንካማላ ሃሪስ ስትራተጃዊ ሕርያ’ውን’ዩ።
ወዲ 60 ዓመት ዋልዝ፡ ምርጫ ኣመሪካ ብሓያሎ ቅልጡፋት ለውጢ ይርኣየሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ ኣብዚ ደንበ ዝጽንበር ዘሎ። ፈተነ ቅትለት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንርፓብሊካውያን ኣሕቢሩ ዓቢ ብልጫ ሂቡዎም ጸኒሑ’ዩ። ድሒሩ ባይደን ካብቲ ምርጫ ስሒቡ ንሃሪስ ምስ ኣቐደመ ድማ ነቲ ግምታት’ውን ለዊጡ።
ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ናይቲ ሰልፊ ኰይና መሪሕነታ ምስ ኣረጋገጸት፡ ንሰልፊ ደሞክራሲያውያን ከተሕብርን ኣተዓራቒ መንፈስ ክትሕዝን ትጽቢት ይግበረላ።
ካማላ ሃሪስ፡ ጸላምን ህንዳዊ ዘርኢን ዘለዋ ከም ምዃና መጠን፡ እሞ ድማ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ደቀንስትዮ መራሕቲ ሃገር ኣብ ዘይተራእየሉ ኣጋጣሚ እቲ ተሰኪማቶ ዘላ ሓላፍነትን ዝጽበያ ብድሆን ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር’ያ ነቲ ዘሎ በበይኑ ስምዒታት ንምጥማር ካብቶም 10 ዝዀኑ ንምኽትላ ክዀኑ ልዑል ግምታት ተወሃቢዎም ዝጸንሑ ጸዓዱ ሰብኡት፡ ካብኡ ናብኡ’ውን ነቲ ዘሎ ሃጓፋት ክመልኣላ ዝኽእል ተወዳዳሪ ክትሓሪ ዝተገደደት።
ቲም ዋልዝ ክሳብ ሕጂ ሃሪስ ኣብ ዝገበረቶ ጎስጓሳት ዓቢ ድጋፍ ኣርእዩ’ዩ። ነቶም ንሰልፊ ርፓብሊካውያን ወኪሎም ዝወዳደሩ ዘለዉ ዶናልድ ትራምፕን ምኽትሉ ጀይዲ ቫንስን’ውን “ዘደንጽዉ ፍጥረታት” ክብል ጸዊዑዎም ኣሎ። ኣብ ነብራስካ ተወሊዱ ቅድም መምህር፡ ጸኒሑ ኣሰልጣኒ፡ ድሒሩ ድማ ኣወሃሃዲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኰይኑ ሰሪሑ። ካብኡ ናብ ፖለቲካ ብምእታው ኣከታቲሉ ንሽዱሽተ ግዜ ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ምርጫ ባይቶ (ኮንግረስ) ተዓዊቱ። ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታትን ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ዋልዝ ኣብ 2018 ንኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ ተወዳዲሩ ስዒሩ። ድሒሩ’ውን ንኻልኣይ እብረ ስዒሩ።
ዋልዝ ኣብ እዋን ለባዳ ኮቪድ ዘርኣዮ መሪሕነትን ኣብ ቅድሚት ወጺኡ ብዝህቦ ዝነበረ ቀጻሊ ሓበሬታታትን ናእዳ ረኺቡ’ዩ። እንተዀነ ኣብ ናቱ ምምሕዳር ንምግብና ቆልዑ ተባሂሉ ብፈደራል መንግስቲ ዝተሰልዐ ናይ 250 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ዘይምዋዕሉ’ውን ተነቒፉ’ዩ። ክፍሊ ትምህርቲ ክፍለ-ሃገር ሚኒሶታ ዝግበኦ ሓላፍነት ስለ ዘይተዋጽአ ድማ ምምሕዳሩ ኣብቲ ምጥፍፋእ ብተዘዋዋሪ ተሓታቲ ይግበሮ።
ቅጥዒ