ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዞባዊ ሰላም ኣይንህውኽን፡ ንእስራኤል ግን ዝግብኣ መቕጻዕቲ ክንህብ ኢና” ወሃብ-ቃል ሚ/ወ/ጉ/ ኢራን


ንቕንጸላ ላዕለዎት መራሕቲ ስዒቡ ሰፋሕቲ ህዝባውያን ተቓውሞታት ኣስዒቡ'ዩ
ንቕንጸላ ላዕለዎት መራሕቲ ስዒቡ ሰፋሕቲ ህዝባውያን ተቓውሞታት ኣስዒቡ'ዩ

ድሕሪ ቅንጻላ መራሒ ሓማስ እስማኤል ሃኒየ ኣብ ቴህራን፡ መንግስቲ ኢራን ነቲ ዞባ ዝህውኽ ግብረ-መልሲ ከም ዘይትህብ ግን ከኣ ንእስራኤል ካብ ምቕጻዕ ከም ዘይንሕፍ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ገሊጹ።

እቲ ወሃብ-ቃል ንኣምባሳድራት በበይነን ሃገራት ኣኪቡ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝበሎ፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ንእስራኤል ካብ ዝግብኣ መቕጻዕቲ ሸለል ይብላ ኣሎ” ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ ንቕንጸላ እታ ላዕለይ መራሒ ሓማስን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያት ንምዝታይን ማሕበር ምትእኽኻብ እስላማዊ ሕብረት ንረቡዕ ፍሉይ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ላዕለዋይ መራሒ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢራን፡ “ኣብ ግዜኡ እስራኤል ዝግባኣ መቕጻዕቲ ክወርዳ’ዩ፡” ኢሉ።

እስራኤል ንመራሒ ሓምስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ቴህራን ድሕሪ ምቕንጻላ፡ ድሕሪኡ ስዒቡ’ውን ንላዕለዎት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ምቕታላ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG