ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ሩስያን ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት ኣካዪደን፡ ጋዜጠኛ ገርሽኮቪች ካብ መንጎኦም'ዩ


ምልውዋጥ እሱራት ዝተኻየደሉ ማዕርፎ-ነፈርቲ ኣንካራ ቱርኪየ
ምልውዋጥ እሱራት ዝተኻየደሉ ማዕርፎ-ነፈርቲ ኣንካራ ቱርኪየ

ድሕሪ ዝሑል ኲናት ዓለም ኣብ መንጎ ኣመሪካ ሩስያን ዝዓበየ ምልውዋጥ እሱራት ዝተባህለ ሎሚ ሓሙስ ተኻዪዱ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሓሙስ ምልውዋጥ እሱራት፡ ጋዜጠኛ ዎል-ስትረት ጆርናል ዝርከቦም 24 እሱራት ምንባሮም ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምልውዋጥ እሱራት ኣብ ቱርኪ’ዩ ተፈጺሙ። ካብ መንጎ’ቶም በዚ ምልውዋጥ እሱራት ናጻ ዝተባህሉ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዘ-ዎል ስትረት ጆርናል ኢቫን ገርሽኮቪች ይርከቦም።

ካልእ ካብቶም ሎሚ ብምልውዋጥ እሱራት ናጻ ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ረድዮ ናጻ ኤውሮጳ (ረድዮ ፍሪ ዩሮፕ) እትሰርሕ ጋዜጠኛ ኣልሱ ኩርማሸቫ ትርከቦም።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ነዊሕ ዝወሰደ መስርሕ “ውጽኢትን ዓወትን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ” ክብል ገሊዶሞ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ “ንነዊሕ ቃንዛ መኸተምታ ዝገበረ” ኢሎም ዝጸውዑዎ ስራሕ ንጀርመን፡ ፖላንድ፡ ስሎቨኒያን ቱርኪን ንዝተጻወተኦ ተራ ኣመስጊኖም።

ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝነበረ ናይ ውሽጢ ርክብ ግን ብቐጥታ ቱርኪ ከም ዘሳለጠቶ’ዩ ዝሕበር።

በዚ ናይ እሱራት ምቅይያር መስርሕ ሩስያ ኣብ ኣመሪካ ተኣሲሮም ዝጸንሑን ገበናት ፈጺሞም ዝብሃሉን ናጻ ገይራ ኣላ።

ባይደን ልዕሊ ንኣመሪካውያን ብውሑስ ናብ ሃገሮም ምምላስ ቀዳምነት ዝህቡዎ ኣጀንዳ ከም ዘየሎ ገሊጾም። ካልኦት ሰብ-መዚ ኣመሪካ ግን በዚ መስርሕ ዘለዎም ቅሬታ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ መንጎኦም እቲ ተግባር ንኣዝዮም ኣሰከፍቲ ሰባት ናጻ ክግበር’ዮም ኢሎም ዝነቕፉ ኣባል ሰነት ሊንሲ ግራም’ዮም።

ጋዜጠኛ ዘ-ዎል ስትሪት ጆርናል ዝኾነ ኣመሪካዊ ኢቫን ገርሽኮቪች ኣብ መጋቢት 2023’ዩ ብሓይልታት ሩስያ፡ ብኽሲ ስለላ ተኣሲሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ን16 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG