ዋሽንግተን ዲሲ —
ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ንመመረቕታ ሓደስቲ ተዓለምቲ ዝተረኽበ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ሎሚ ረቡዕ ናይ ድሮን ፈተነ ቅንጽላ ተገይሩሉ ግን ብሰላም ምውጻኡ፡ ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣስፊሩ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ኣብ ቀረባ ግዜ ንወታሃደራዊ መዓስከራት ኣንጻር ወገን ብሮን ከጥቅዕ ጸኒሑ’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ወገን ሱዳንን ኣብ ሰሜናዊ ወገንን መጥቃዕታት ድሮን ምፍጻሙ ሮይተርስ የመልክት። ብዛዕባ’ዚ ዝደሓረ መጥቃዕቲ ግን ዛጊት እቲ ኣሃዱ ዝሃቦ መግለጺ የሎን።
ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ካብ ርእሰ-ከተማ እቲ ኣሃዱ ዘላ ፖርት-ሱዳን ንምብራቕ ወገን ኣስታት 100 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝረሓቐ “ጊበት” ዝተሰየመ መዓስከር ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድሮን ሓሙሽተ ሰባት ምቕታሉ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ኣል-ቡርሃንን ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ስነ-ስርዓት ምርቓን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ድሮን ካብቲ ቦታ ተጸጓጊዶም ክሃድሙ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተቐርጸ ምስልታት የርኢ። ኣልቡርሃን ድሕሪኡ ናብ ፖርት-ሱዳን ከም ዝተወስደ እቲ ኣሃዱ ገሊጹ።
ቅጥዒ