ድሕሪ ናይ ሎሚ ሰንበት ካብ ንግስትነት ሞናኮ ነቒሉ ኣብ ኒስ ፈረንሳይ ዝወድአ፡ 33.7 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መበል 21 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ብሓፈሻዊ ናይ ግዜ ስርርዕ ብስሎቫናያዊ ታዴ ፓጋቻ ክዛዘም እንከሎ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ወግዓዊ ከብካብ ጥራይ ተሪፉዎ ዝነበረ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ኣብ ግዜኡ ውድድሩ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ናይ ነጥቢ ዕዉት ኰይኑ ንቀጣልያ ማልያ ወኒኑ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ሰንበት ናይ ውልቀ-ግዜ ውድድር፡ ዓወት ቢንያም ርግጽ ገይሮሞ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ደገፍቱ ካበየ-ሃገራቱ ተኣኻኺቦም፡ ኣብ ከባቢ ዛዛሚ ሕንጻጽ ንመስመር ተዓዘብቲ ባንዴራ ኤርትራ እናበልበሉ ንቢንያም ዘለዎ ድጋፍ ክህቡ ይርኣዩ ነይሮም።
ጓሉን በዓልቲቤቱን’ውን ኣብዚ ፍሉይ ጽንብል ንምክፋል ኣብ ኒስ ተረኺበን ውዒለን።
ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ናይዚ ውድድር፡ ንናይ ውልቂ ግዜ ቢንያም ካብ መስመር ክብገስ እነከሎ፡ “ቢንያም ግርማይ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ኴንካ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ክትኣቱ 33.7 ኪሎሜተር ተሪፉካ ኣሎ፡” ኢሎም ጽሒፎምሉ።
ፓጋቻ ተሸላሚ 500-ሽሕ ዩሮ ክኸውን እንከሎ፡ ቢንያምን ካልኦት ተመሳሳሊ ናይ ዓቐበትን መንእሰያትን ማልያ ዝወሰዱ ተቐዳዳምቲ’ውን ብተመሳሳሊ 25-ሽሕ ዩሮ ተሸሊሞም ኣለዉ።
ኣብዚ ሰንበት ዝተዛዘመ መበል 111 ዙር ፈረንሳይ ኣብ ሓፈሻዊ ስርርዕ ሳልሳይ ዝወጽአ በልጅማዊ ሮሜኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ ኣንበሳ ዓቐብ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ኣብ ሓፈሻዊ ስርርዕ ንፓጋቻ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጽአን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተሸላሚ እዚ ውድድር ደንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ’ዩ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ቀጣልያ ማልያ በልጅማዊ ያስፐር ፊሊፕሰን፡ ካብ ቢንያም 33 ነጥቢ ድሒሩ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ንዕኡን ንጋንታኡን ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት ዓሊሙ ናብዚ ውድድር ዝኣተወ ቢንያም፡ ንርእሱ፡ ንጋንታኡን ንኻልኦት ተዓዘብቲን ብዘደንጸወ መንገዲ ንሰለስተ መድረኻት (3ይ፡ 8ይን መበል 12ን) ተዓዊቱ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ወጺኡ። ኣብቲ ክዕወትሉ ትጽቢት ዝተገብረሉ መበል 16 መድረኽ ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢሙዎ ነቲ ሕልሙ ናብ ምዅላፍ ዝመስል ተርእዮ ሰጊሩ ግን ኣብቲ ዝቐጸለ መድረኽ ምስናይ ቃንዛኡን ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ያስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ስዒሩ፡ ኣብቲ ውድድር በሊጹ ከም ዝወጽእ ቀልጢፉ ምልክት ሂቡ።
ተቐዳደምቲ ዙር ፈረንሳይ 2024 ኣብ መንጎ ዝነበራ ክልተ መዓልታት ዕረፍቲ ገዲፍካ፡ ንዝሓለፉ 21 መዓልታት 3,498 ኪሎሜተር ሸፊኖም። ካብዚ እታ ዝነውሐት መድረኽ ዝነበረት ቢንያም ዝተዓወታላ ሳልሰይቲ መድረኽ’ያ ነይራ።
ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ፍሉይ ክብረ-ወሰናት፡ ን35 መድረኻት ዝተዓወተ ማርክ ካቫንድሽ ኣብ ታሪኽ እዚ ውድድር ዝበዝሐ ተዓዋቲ መድረኻት ኰይኑ ኣሎ።
ብጠቕላላ 176 ተቐዳዳምቲ ሒዙ ዝተበገሰ ዙር ፈረንሳይ 2024፡ ቢንያም እቲ እንኮ ጸሊም ተወዳዳሪ’ዩ ነይሩ። ቢንያም ንውልቁ፡ ጋንታኡን ሃገሩን ሰጊሩ ንኣህጉር ኣፍሪቃ’ውን ወኪሉ ይወዳደር ስለ ዝነበረ እቲ ተጽዕኖ ቀሊል ዘይምዃኑ ድሕሪ’ቲ ውድድር ምስ ዩሮኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ጠቒሱ ነይሩ።
እዚ ብጸዓዱ ተቐዳደምቲ ዝዕበለል ውድድር፡ ኣብ 2015’ዩ ንፈለማ እዋን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ንጸለምቲ ተቐዳደምቲ ኣሳቲፉ። ኣብ እዋኑ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ንኣንበሳ ዓቐብ እትውሃብ ማልያ ብምልባስ ኣብቲ ውድድር ሓድሽ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ’ዩ።
ደጋጊሙ ነቲ ባዕሉ ዝተለሞ ክብረ-ወሰን ዝሰብር ዘሎ ቢንያም ግርማይ’ውን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ውድድር ሳልሳይ ብምውጻእ፡ ኣብ ፈላሚ እዚ ዓቢ ውድድር ናብ መድረኽ ዝደየበ ቀዳማይ ጸሊም ተቐዳዳሚ ኰይኑ’ዩ። ዕዉት ሓደ መድረኽ ጂሮ ኢጣልያ 2022 (ድሕሪ ዙር ፈረንሳይ ካልኣይ ዝስራዕ ዝዓበየ ውድድር) ዝዀነ ቢንያም ኣብ ናይ ባልጂዩም ሀንት ወልቨልሀም (Gent-Wevelgem) ዝተኸየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ዙር ቀዳማይ ብምውጻእ’ውን ኣብቲ ዓቢ ስም ዘለዎ ውድድር ናይ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ኰይኑ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዙር ፈረንሳይ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ሮበርት ሃንተርን ዳርሊ ኢምፐይን’ዮም ዕዉታት መድረኽ ኰይኖም ዘለዉ። ንሓፈሻዊ ናይ ነጥቢ ውድድር ቀዳማይ ክወጽእ ግን ካብ ኣፍሪቃ ቢንያም ንፈለማኡ’ዩ።
ቢንያም ኣብቲ 26 ሓምለ (ድሕሪ 5 መዓልታት) ዝጅምር ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኤርትራ ወኪሉ ክስታፍ’ዩ።
ቅጥዒ