ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ንቐጣልያ ማልያ ኣረጋጊጹ፡ ጽንብል ጥራይ ይተርፎ


ጽንብል ቅድሚ ከብካብ
ጽንብል ቅድሚ ከብካብ

ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳም መበል 20 መድረኽን ተሪር ዓቐበትን ዝነበሮ ኣዝዩ በዳሂ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ብዓወት ታዴ ፖካቻ ክዛዘም እንከሎ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ኣብ ሰዓቱ ስለ ዝኣተወን ኣብ መንጎ’ቶም ንቐጣልያ ማልያ ዝወዳደሩ ቢንያምን ያስፐር ፊሊፕሰንን ለውጢ ስለ ዘየሎ፡ ቢንያም ንቐጣልያ ማልያ ኣውሒሱ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ 132.8 ኪሎሜተር ዝሸፈነ መድረኽ፡ ንፖጋቻ ስዒቦም ጆናስ ቪንገጋርድን ሪቻርድ ካራፓዝን ካልኣይን ሳልሳይን ኣትዮም ኣለዉ።

ቢንያም ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ምስ ደቂ ጋንታኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ’ዩ ናብ ዛዝሚ ሕንጻጽ ኣትዩ። ኣእንገድቲ እቲ ውድድር’ውን ዕዉት ድምር ነጥቢ ናይ መበል 111 ዙርያ ዙር ፈረንሳይ ኢሎም ድሮ ኣጠሚቐሞ ኣለዉ።

ጽባሕ ናይ ውልቂን ናይ ግዜ ውድድር ስለ ዝዀነ፡ ዋላ’ውን ፊሊፕሰን ነቲ መድረኽ እንተ ተዓወተሉ፡ 20 ነጥቢ ጥራይ ስለ ዘውህብ ነቲ ዘለዎም 33 ነጥቢ ፍልልይ ከርክቦ ኣይክእልን’ዩ። ናይ ሰንበት ዛዛሚት መድረኽ እምበኣር፡ ንቢንያም ብሰላም ነቲ ውድድር ምዝዛም ጥራይ’ያ እተድልዮ።

ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ፡ ኣብ ክልተ ድማ ካልኣይ ዝወጽአ ቢንያም ግርማይ፡ ነዚ ዘውዲ’ዚ ዝደፍአ ፈላሚ ጸሊም ተቐዳዳሚ ኰይኑ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ ኣሎ። ብቐንዱ’ውን ኣብዚ ውድድር እቲ እንኮ ጸሊም ተቐዳዳሚ’ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ሎሚ መበል 20 መድረኽ እምበኣር፡ ታዴ ፓጋቻ ብጫ ማልያ ብሓፈሻዊ ስርርዕ፣ ቢንያም ግርማይ ቀጣልያ ማልያ ናይ ቅጽበታዊ ውድድርን ነጥቢን፣ ካራፓዝ ኣንበሳ ዓቐብ፣ ኢቫንፖል ድማ ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ለቢሶም ኣለዉ።

ብጋንታ ነዚ ውድድር ትዕብልሎ ዘላ ኢማራትስ’ያ።

ጽባሕ ሰንበት ዛዛሚ ናይ ግዜ መድረኽ 33.7 ኪሎሜተር ዝሽፍን ኰይኒ ኣብ ከተማ ኒስ ዝግበር መዛዘሚ ጽንብል’ውን ይርከቦ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዮም ኣብ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ድጋፎም ከርእዩ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ተወዳዲቦም ናብታ ናይ መወዳእታ መድረኽ እተእንግድ ከተማ ዘምርሑ ዘለዉ። በዓልቲቤት ቢንያምን ጓሎምን’ውን ኣብቲ ዛዛሚ መድረኽ ይጽበየኦ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG