ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

18 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ -- ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገብረሉ ውድድሩ ዝዛዘመ ቢንያም መሪሕነቱ ዓቂቡ


ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 መድረኽ ዙር ፈረንሳይ፡ ብዓወት በልጅማዊ ቪክቶር ፓምፐነር ክዛዘም እንከሎ፡ ንዕኡ ስዒቦም ድማ ፈረንሳዊ ማትዮ ቨርቸን ፖላንዳዊ ሚካል ኪቭስኮውስኪ ካልኣይን ሳልሳይን ተርታ ኣትዮም።

ተሰላፊ ጋንታ ኢንተርማርሸ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ውድድር ነጥቢ ከይወሰኸን ከይጥፍአን ውድድሩ ብሰላም ምዝዛሙ ነቲ ለቢሱዋ ዝኣተወ ቀጠልያ ማልያ ዓቂቡ፡ ንምውናና ዘለዎ ቅርበት ድማ እናረጋገጸ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብቲ 179.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ናይ ሎሚ መድረኽ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠሞ ቢንያም፡ ገና ቍስሉ ከይሓወየ’ዩ ውድድሩ ዝቕጽል ዘሎ። ቢንያም ኣብ መንጎ ውድድር ብሓካይም ጋንታኡ ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገብረሉ ይርአ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ዝነበር ቅጽበታዊ ውድድር ቢንያምን ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰንን ዝዀነ ነጥቢ ስለ ዘየመዝገቡ ኣብ ተራታ ዝተለወጠ የሎን። ኣብዚ ሰለስተ መድረኻት ተሪፉዎ ዘሎ ውድድር ዙር ፈረንሳይ ድማ ቢንያም ንፊሊፕሰን ብ33 ነጥቢ ቀዲሙ ብውህሉል ነጥቢ ይመርሖ ኣሎ።

ድሕሪ መበል 18 መድረኽ ኣብ ሓፈሻዊ ተርታ ስርርዕ ተቐዳደምቲ ዝተለወጠ የሎን። ፖጋቻ ብሓፈሻዊ ስርርዕን ግዜን መሪሑ ብጫ ማልያን ናይ ዓቐበት ማልያን ለቢሱ ኣሎ። በልጅማዊ ረምኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክለብስ እንከሎ፡ ቢንያም ድማ ናይ ውህሉል ነጥቢ ቀጣልያ ማልያ ኣብ ዝባኑ ኣላ።

ጽባሕ ዓርቢን ቀዳምን ተቐዳደምቲ ናይ 144.6 ከምኡ’ውን 132.8 ዝሽፍን ተሪር ዓቐበት ዘለዎ መድረኽ ይጽበዮም ኣሎ። መዛዘሚ ሰንበት ናይ ውልቂ ውድድር ስለ ዝኸውን ኣብ መንጎ ቢንያምን ዝስዕቦ ዘሎ ያስፐር ፊሊፕሰንን ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ኣብዘን ዝቕጽላ ክልተ መዓልታት’የን። እንተዀነ ኣብኣተን’ውን እቲ ዘሎ ቅጽበታዊ ውድድር ድሕሪ ምሕኳር ዓቐበት ስለ ዝኸውን ከም ናይ ሎሚ ክልተኣቶም ተወዳደርቲ ብዘይ ነጥቢ ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG