ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ተኻዪዱሉ፡ ኩነታቱ ኣብ ውሑስ ኣሎ


ኣብ ባትለር ፐንሲልቫንያ ወፍሪ ጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ ቀዳም ኣማስያኡ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ ጥይት ተተኲሱ ኣብ ከባቢ እዝኑ ክደሚን ካብ መንጎ ብኣባላት ጸጥታ ተኸዊሉ ክወጽእን ተገዲዱ ኣሎ። ድሒሩ፡ ኩነታቱ ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘሎ ሓካይሙ ገሊጾም።

ኣብቲ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ፡ ድምጺ ጥይት ይስማዕን ኣባልት ጸጥታ ድማ ተጓይዮም ንዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ቦታ ብመኪና ክወስዱዎን ይርኣዩ።

ካብ ሃራሚ ብዝተተኰሰ ጥይት ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ጎስጋስ ክቕተል እንከሎ፡ ክልተ ድማ ብጽኑዕ ምቝሳሎም ተፈሊጡ። ጥርጡር ሃራሚ፡ ካብ ማዕዶ ህንጻ ኰይኑ ከም ዝተኰሰ መሰኻኽር ገሊጾም። ንእለቱ ግን ብኣባላት ሓለዋ ተቐቲሉ’ዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንኸምዚ ዝመስል እከይ ተግባር ቦታ የሎን። እዚ ሕሙም ስራሓት’ዩ። ኣመሪካ ነዚ ኣይትጸሮን’ያ፡” ኢሉ። ፕረዚደንት ባይደን ንዶንላድ ትራምፕ ምሉእ ጥዕናን ቅልጡፍ ሕውየትን ተመንዩ።

ብተመሳሳሊ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፡ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ካልኦት በበይኖም ሰብ-መዚ ኣመሪካን ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪሮም ብምዅናን፡ ንዶናልድ ትራምፕ ቅልጡፍ ሕወይት ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ መጥቃዕቲ ድማ ቅልጡፍ መርመራ ክግበር ጸዊዖም።

ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ (FBI) ተኳሲ ቶማስ ማቲው ኩክ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ነባሪ ቤቴል እትብሃል ከተማ ፐንሲልቫንያ ምዃኑ ኣመልኪቶም ኣለዉ። መበገሲን ዕላማን እዚ ፈተነ ቅትለት ፈደራላዊ መርመራ ገበን ኣመሪካ ዛጊት ወግዓዊ ኣይገበሮን። እንተዀነ ጥርጡር ሃራሚ፡ ምዝጉብ ኣድማጺ ሰልፊ ርፓብሊክን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ኰይኑ ግን ኣብ 2021’ውን ንሊበራላውያን ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባሩ መዛግብቱ ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG